ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ፡ ሓድሽ አምባሳደር ናብ ኣሜሪካ መዚዛ


ፕረዝደንት ሩስያ ብላድሚር ፑቲን ምክትል ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣንቶላይ ኣንቶኖቭ ሓድሽ ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኣሜሪካ ክኸውን መዚዞም።

ንሶም ነቶም ንዝሓለፈ ትሸዓተ ዓመታት ልዑኽ ሩስያ ኣብ ኣሜሪካ ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ሰርጌይ ክስላክ ክትክኡ እዩም።

እዚ ሓድሽ ምምዛዝ ኣምባሳደር፡ ዝምድና ሩስያን ኣሜሪካ ድሕሪ ዝሑል ኩናት ኣብቲ ዝተሓተ ደረጃ በጺሕዎ ዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምኳኑ ብተወሳኺ ሩስያ ኣብ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ 2016 ምትእትታው ኣለዋ ብዝብል ክሲ ኣሜሪካ ብፍሉይ ኣማኻሪ ሮበርት ሙለር ዝምራሕ ናይ ምርመራ ጉጅለ ምጽራይ ኣብ ዘኻይደሉ ዘሎ እዋን ምኳኑ ይፍለጥ።

ፕረዝደንት ትራምፕ ብወገኖም ነቲ ክሲ ነጺጎም ነቲ ምርመራ’ውን ውዱቕ ምግባሮም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG