ዋሽንግተን —
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ጊኒ በጺሖም።
ብዕልዋታት ክናወጻ ዝጸንሓ ሃገራት ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ፣ ብሰንኪ ምስ ፈረንሳን ኣመሪካን ዝኣተወኦ ምስሕሓብ፣ ገጸን ናብ ሩስያ የዙራ ከምዘለዋ ዝፍለጥ እዩ።
ሩስያ ኣብ ዩክሬን ሰፊሕ ኲናት ድሕሪ ምውላዓ እንተኾይኑ ደገ፣ ተዘየለ ዘይሻራዊነት መርገጺ ንክሕዛ ንትደልየን ሃገራት ኣፍሪቃ ንሚኒስትር ሰርገይ ላቭሮቭ ብተደጋጋሚ ክበጽሑ ይረኣዩ።
ንሶም ኣብ ማሊ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኬንያን ካልኦት ሃገራትን ከምዝበጽሑ ዝዝከር እዩ።
ቅጥዒ