ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ: ብዝሒ ዘለዎ መጥቃዕቲታት ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ፈጺማ


ዩክሬን ኵናት ምስ ሩስያ ካብ ዝጅምር ዝዓበየ ዝበለቶ 122 ሚሳይላትን 36 ድሮናት ሎሚ ዓርቢ 29 ታሕሳስ 2023 ካብ ሩስያ ከምዝተተኮሳ ገሊጻ።

በቲ መጥቃዕቲ 13 ሰባት ምሟቶምን ካልኦት 18 ምቁሳሎምን ሰብ መዚ ዩክሬን ሓቢሮም ኣለው።

ፕረዚደንት ዩክሬን ቭሎዶሚር ዘለነስኪ ሩስያ ኩሉ ዓይነት ኣጽዋር ናብ ዩክሬን ምትኳሳ ኣብ ኤክስ ኣቐዲሙ ትዊተር ዝፍለጥ ማሕበራዊ መራኸቢ ዘውጽእዎ መልእኽቲ ገሊጾም ኣለው።

ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ዩክሬን ንመብዛሕቲኡ ዝተተሰ ክሩዝን ቦልስቲክን ሚሳይላት ሻህድ ዝተባህለ ዓይነት ድሮናትን ምዃኑ ምፍላጦም ይሕብር።

ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሚኮላ ኦለሽቹክ ኣብ ቴሌግራሙ ቻነሉ ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ ሩሲያ ኣብ ለካቲት 2022 ምሉእ ወራር ካብ እትፍፅም "እቲ ዝኸፍአ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ’’ ኢሉዎ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG