ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተጻባእቲ ኣመሪካ ዝኾና ሃገራት መጻኢ ምርጫ ኣመሪካ ክጸልዋ ይፍትና ምህላወን ተገሊጹ


ተጻባእቲ ኣመሪካ ዝኾና ሃገራት መጻኢ ምርጫ ኣመሪካ ክጸልዋ ይፍትና ምህላወን ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:04 0:00

ተጻባእቲ ኣመሪካ ዝኾና ሃገራት መጻኢ ምርጫ ኣመሪካ ክጸልዋ ይፍትና ምህላወን ተገሊጹ

ተጻባእቲ ኣመሪካ ዝኾና ሃገራት፡ ንውጽኢት`ቲ ዝመጽእ ሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ክጸልውኦ ይፍትና ከም ዘለዋ ይግለጽ ኣሎ። ኣብዚ ዝተራቐቐ ስራሕ ተጠቀስቲ ኮይነን ዘለዋ ሃገራት ሩስያን ኢራንን'የን።

ፕረዚደንታዊ ውድድር ኣመሪካ፡ ኣድመጽቲ ንምኽሳብ ናብ ዲቕ ዝበለ ጎስጓስ ኣትዩ`ሎ።

ፕረዚደንት ነበር ሪፖብሊካዊ ሕጹይ ዶናልድ ትራምፕ“ቁጠባና ክነድሕኖ ኢና። ኣብ ማእከላይ እቶት ዘለዉ ዜጋትትና ክነሕውዮም ኢና" ክብል ከሎ ደሞክራሲያዊት ሕጽይቲ ካመላ ሃሪስ ብወገና፡-“ናብ ሓዲሽ ምዕራፍ ንሰግረሉ ግዜ`ዩ። ሓዲሽ ምዕራፍ ነመጽእ" ትብል።

ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ውድድር ግን ሩስያ'ውን ተጸንቢራቶ`ላ ይብሉ።

ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣመሪካ መሪክ ጋርላንድ ሓደ ካብኦም `ዩ። “ ናይ ቀረባ መሳርሕቲ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝኾነ ሰርገይ ኪሪየንኮ ንትካላት ህዝባዊ ርካባት፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ክዝርግሓ መምርሒ ኣሕሊፉለን ኣሎ። እዚ ድማ ንውጽኢት ምርጫ ኣመሪካ 2024 ንምቕያር ብመንግስቲ ዝስርሓሉ ዘሎ ዕላማ`ዩ።"

ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያትወጻኢ ኣመሪካ ማቲው ሚለር"ሓደ ካብቲ ስራሕ ድማ ኣድመጽቲ ብዛዕባ ኣገደስቲ ጉዳያት እንታይ ይሓስቡ ንምጽላው ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ መርበብ ሓበሬታት ምቛም ከምኡ ድማ ብመንግስቲ ሩስያ ዝድገፍ ኣር-ቲ- ማለት ራሻ ቱደይ ዝብሃል መደበር ቴሌቭዥን፡ ኣብ ኣመሪካ ንዝርከብ ሓደ ትካል ሚድያ ኣስታት 10 ሚልየን ዶላር ምስግጋሩ`ዩ" ይብል።

ሩስያ ግን ነዚ ክሲ`ዚ ትነጽጎ፡- ማሪያ ዛካሮቫ ወሃቢት ቃል-ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ "እዚ ሩስያ ዘብል ሕማም`ዩ። ኣብ ልዕሊ ናይ ምዝራብ ናጽነት ዝፍጸም መጥቃዕቲ`ውን`ዩ። ኩሉ ሻዕ ምርጫ ኣመሪካ ክመጽእ ከሎ ዝግበር ግናይ ናይ ምትላል ጸወታ `ዩ" ትብል።

ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ግን ክከሓድ ዘይኽእል ተግባር`ዩ ብምባል፡ እኳ ድኣ ንዕድላት ዓወት ትራምፕ ንምሕያል ከም ዝስራሕ ይምጉቱ። ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣመሪካ መሪክ ጋርላንድ፡ ኢራን'ውን ኣብዚ ምርጫ`ዚ ናታ ምንቅስቓስ ኣሓይላ ከም ዘላ ይኸስስ።

“ኣብዚ እዋን ምርጫ፡ ልዑል ዝኾነ ምንቅስቓስ ኢራን ተዓዚብና ኣለና። ኢራን ኣብዚ ቀረባ፡ ምስ ረብሓኣ ዝጻረር ውጽኢት ምርጫ ንምውጋድ ንጎስጓስ ምርጫ ትራምፕ ከም ትርዕም ሓደ ሪፖርት ወጽዩ ኔሩ`ዩ። "

ቻይና `ውን ንዓኣ ተጻባእቲ ዝኾኑ ሕጹያት ኣብ ምጉዳእ ሓደ ትሕት ዝበለ ማሕበራዊ መሓውራት ዜና ተመሓድር ከም ዘላ ሰበ-ስልጣን ስለያ ኣመሪካ ይሕብሩ።

እንተኾነ እዚ ኩሉ ዝብሃል ዘሎ ተግባራት ንኣመሪካውያን ኣድመጽቲ ማዕረ ክንደይ ክጾሉ ይኽእል ዝብል ሕቶ `ውን ኣሎ ዝበለት ካብ ሲራኩስ ዩኒቨርሲቲ ዝኾነት ማርጋረት ታለቭ፡ ኣድመጽቲ ግን ዒላማ ይኾኑ ከም ዘለዉ ክርድኡ ግቡእ `ዩ ትብል።

ኣመሪካውያን ክሳብ ናብ ሳጹን ምሃብ ድምጺ ዝኸዱ ብዙሕ ሓሳባት ከም ዝሰምዑ ግን ኣየጠራጥርን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG