ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ ኣብ ትቆጻጸሮም ዞባታት ዩክሬን ምርጫ ተካይድ ምህላዋ ተገሊጹ


ሩስያ ኣብቲ ዝሓዘቶ ዞባታት ዩክሬን ምርጫታት ተካይድ ኣላ፡ ንሱ ድማ ኣብቲ ከባቢ ቁጽጽራ ንምትራር ትገብሮ ጻዕሪ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ሩስያ ኣብ ዞባታት ዶነስክ፥ ሉካንስክ፥ ከርሰንን ዛፖሪዚያን ዝጀመረቶ ምርጫታት ድሕሪ ጽባሕ ሰንበት ክዛዘም`ዩ። ዩክሬንን ሃገራት ምዕራብን ነቲ መስርሕ ምርጫ ኮኒነኦ ኣለዋ። ቤት ምኽሪ ኤውሮጳ እቲ ተግባር ንኣህጉራዊ ሕግታት ብቅሉዕ ዝጥሕስ`ዩ ክብል ኮኒንዎ`ሎ። ባይቶ ዩክሬን ካልኦት ሃገራት ንውጽኢት እቲ ሩስያ ኣብ ዩክሬን ተካይዶ ዘላ ምርጫታት ከይቅበላ ተማሕጺኑ`ሎ።

ገለ ተንተንቲ ፖለቲካ ዩክሬን ኣብተን ግዝኣታት ምሉእ ምቁጽጻር ስለዘይብላ፡ ሩስያ ነቲ ዘሎ ኩነታት ተጠቒማ ምርጫ ከተካይድ ንዓኣ ኣገዳሲ`ዩ ይብሉ ። ንሶም ወሲኾም እንተወሓደ ኩሉ ነገር በቲ ዝሓንጸጽዎ ይኸይድ ከም ዘሎ ንምርኣይ ክፍትኑ ኣለዎም ይብሉ ።

ኣብቲ ምርጫ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሕጹያት ይወዳደሩ ኣለዉ። ወሃብቲ ድምጺ ኣመሓደርትን ኣባላት ባይቶን`ይመርጹ ኣለው። ገለ ኣድመጽቲ ንሩስያ ዘለዎም ፍቕርን ኣካል ሩስያ ክኾኑ ይምነዩ ከምዝነበሩውን ይገልጹ ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG