ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ ንስምምዕ ሰድድ እኽሊ ዩክሬን ደው ተብል


ፋይል
ፋይል

ሩስያ ነቲ ኣስታት ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ካብ ሰለስተ ወደባት ዩክሬን ብጸሊም ባሕሪ ኣቢሉ ናብ ዕዳጋ ዓለም እኽሊ ክሓልፍ ካብ ዘፍቕድ ስምምዕ ተሳትፎኣ ደው ምባላ ትገልጽ።

እዚ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራትን ቱርኪን ብሰንኪ ኲናት ሩስያ ኣብ ዩክሬን ኣብ ዓለም ዝተፈጥረ ቅልውላው መግቢ ደው ንምባል ዝተበጽሓ ስምምዕ'ዩ።

ሩስያ እቲ ስምምዕ ሎሚ ሰኑይ 17 ሓምለ 2023 ቕድሚ ምብቕዑ ካብቲ ተበግሶ ዝኣክል መኽሰብ ከምዘይረከበት ገሊጻ'ያ።

ሩስያ ሓደ ካብቲ ጠለባታ ንፍርያት ሕርሻ ዘገልግሉ ባንኪታት ናብቲ ዓለምለኸ መስርሕ ባንኪ ዓለም ስዊፍት ትራንዛክሽን ክምለሱ ዝብል'ዩ ኔሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት እቲ ስምምዕ ኣብ ነሓሰ 2022 ካብ ዝብጻሕ ንደሓር 32.9 ቶን እኽሊ ናብ 45 ሃገራት ምስዳዱ ይገልጽ። ነዚ ስምምዕ ደው ምባል ድማ ቅልውላው መግቢ ከምዝፈጥር ተንተንቲ ይገልጹ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG