ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ፡ ፈላማይ ፅዕነት ናፃ ኣእካል ናብ ኣፍሪቃ ትልእኽ


ፋይል- እኽሊ ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ጸሊም ባሕሪ
ፋይል- እኽሊ ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ጸሊም ባሕሪ

ሩስያ ብዝኣተወቶ ቃል መሰረት ፈላማይ ፅዕነት ኣእካል ናብ አፍሪቃ ከም ዝለኣኸት ንሚንስትሪ ሕርሻ’ታ ሃገር ብምጥቃስ መንግስታዊ መሓውር ዜና ሩስያ ሓቢሩ።

“ነፍሲ ወከፈን 25-ሽሕ ቶን ኣእካል ዝፀዓና ፈላሞት ክልተ መራኽብ ካብ ወደባት ሩስያ ናብ ሶማልን ቡርኪናፋሶን ኣምሪሔን’ለዋ፡ ኣብ መወዳእታ ሕዳር ወይ መጀመርታ ታሕሳስ ኣብቲ ዝተሐስበ ቦታ ክበፅሓ ትፅቢት ኣሎ” ክብሉ ሚኒስተር ሕርሻ ሩስያ ዲመትሪ ፓችሩሽቭ ምግላፆም ኣጃንስ ፍራንስ ሓቢሩ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG