ዋሽንግተን —
ሚንስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሩስያን ዩክሬንን ኣብ ማልታ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኤውሮጳ ይሳተፉ ኣለዉ።
ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ ሃገሩ ኣብ 2022 ንዩክሬን ካብ ትወርር ንድሓር ናብ ኤውሮጳ ዑደት ክገብር ንመጀመርያ ግዚኡ`ዩ። ኣብቲ ኣኼባ፡ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን`ውን ይሳተፍ ኣሎ።
መሓዛ ዩክሬን ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ፖላንድ ራዶስላቭ ሲኮርስኪ ግን ምስ ላቭሮቭ ኣብ ሓደ ጣውላ ኮፍ ኣይብልን እየ ይብል ኣሎ።
“ሚ/ር ላቭሮቭ ናብዚ ዝመጽእ ዘሎ፡ ብዛዕባ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ትገብሮ ዘላን ክሕሱ ስለዝኾነ ክሰምዖ ፍቓደኛ ኣይኮንኩን” ኢሉ።
ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብቲ ዝሓለፈ ኣኼባ፡ እቲ ማሕበር ኣገልጋሊ ኔቶን ሕብረት ኤውሮጳን እናኾነ ይኸይድ ኣሎ ክብል ከሲስዎ ኔሩ።
ዩክሬን ድማ ሩስያ ካብቲ ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኤውሮጳ ክትወጽእ ክትሓትት ጸኒሓ`ላ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ክኸውን ዝተመርጸ ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ፡ ኵናት ዩክሬን ቅልጡፍ መዕለቢ ክገብረሉ እየ ክብል ጸኒሑ`ሎ።
ቅጥዒ