ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወጻኢ ሩስያ ምስ ላዕለዎት ዲፕሎማት ደምበ ብሪክስን ተራኺቡ፡ ተዘራሪቡ


ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ትማሊ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ናይ ቻይና ምኽትል ሚንስተር ጉዳያት ወጻእን ካልኦት ላዕለዎት ዲፕሎማት ደምበ ብሪክስን ተራኺቡ:ተዘራሪቡ።

ልዝብ እቶም ሰብ መዚ ብቐንዱ ነቲ ብሪክስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቁጠባዊ ደምበ ንምስፋሕን ከም ስዑዲ ዓረብ ኢራንን ዓረብ ኢማራትን ዝበላ ነዳዲ ዘፍርያ ሃገራት ንምሕቛፍ ከተኩር ትጽቢት ኣሎ። ላቭሮብ ቅድሚ`ቲ ዝርርብ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ንብራዚል:ሩስያ: ህንዲ: ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝሓቖፈ ደምበ ንቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዘኽብር`ዩ ኢሉ ኔሩ።

ነቲ ዝርርብ ዝመርሐት ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ናለዲ ፓንዶር፡ ሽሕ `ኳ ብመጋባእያ ገበናት ዓለም ክእሰር ዝድለ እንተኾነ ናብ ናይ ሩስያ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑትን ኣብ ዋዕላ ብሪክስ ክሳተፍ ዕድመ ከምዝተላእከ ኣፍሊጣ`ላ።

ሩስያን ቻይናን ዘለውኦ ብሪክስ፡ ነቲ ብ ጉጅለ፡፯ተ ዝፍለጥ ደምበ ምዕራብ ተወዳዳራይ ኾይኑ እናተራእየ ይመጽእ ኣሎ። ሕጂ ድማ ምስፋሕ ደምበ ብሪክስ ንጽልዋታት ሩስያን ቻይናን ዝያዳ ከም ዘዕዝዞ ይግመት፡ ሽሕ`ኳ ገና ኣብ ውሳነ እንተዘይተበጽሐ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG