ዋሽንግተን —
ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ትማሊ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ናይ ቻይና ምኽትል ሚንስተር ጉዳያት ወጻእን ካልኦት ላዕለዎት ዲፕሎማት ደምበ ብሪክስን ተራኺቡ:ተዘራሪቡ።
ልዝብ እቶም ሰብ መዚ ብቐንዱ ነቲ ብሪክስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቁጠባዊ ደምበ ንምስፋሕን ከም ስዑዲ ዓረብ ኢራንን ዓረብ ኢማራትን ዝበላ ነዳዲ ዘፍርያ ሃገራት ንምሕቛፍ ከተኩር ትጽቢት ኣሎ። ላቭሮብ ቅድሚ`ቲ ዝርርብ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ንብራዚል:ሩስያ: ህንዲ: ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝሓቖፈ ደምበ ንቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዘኽብር`ዩ ኢሉ ኔሩ።
ነቲ ዝርርብ ዝመርሐት ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ናለዲ ፓንዶር፡ ሽሕ `ኳ ብመጋባእያ ገበናት ዓለም ክእሰር ዝድለ እንተኾነ ናብ ናይ ሩስያ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑትን ኣብ ዋዕላ ብሪክስ ክሳተፍ ዕድመ ከምዝተላእከ ኣፍሊጣ`ላ።
ሩስያን ቻይናን ዘለውኦ ብሪክስ፡ ነቲ ብ ጉጅለ፡፯ተ ዝፍለጥ ደምበ ምዕራብ ተወዳዳራይ ኾይኑ እናተራእየ ይመጽእ ኣሎ። ሕጂ ድማ ምስፋሕ ደምበ ብሪክስ ንጽልዋታት ሩስያን ቻይናን ዝያዳ ከም ዘዕዝዞ ይግመት፡ ሽሕ`ኳ ገና ኣብ ውሳነ እንተዘይተበጽሐ።
ቅጥዒ