ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓያል ተወዳዳሪ ኣብ ዘይብሉ ፑቲን ንተወሳኺ ሽዱሽተ ዓመት ምምራጹ የተኣማምን


ኮሚሽን ምርጫ ሩስያ ዛጊት ቆጺሩዎ ብዘሎ ድምጺ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ብ87% ሚእታዊት ይመርሕ ኣሎ። ካብቶም ብዙሕ ስም ዘይብሎም ተወዳደርቲ 10% ድምጺ ዝረኸበ’ውን ዛጊት የሎን።

ዓርቢ ዝጀመረ ምርጫ ሩስያ ንዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት ፑቲን ን24 ዓመታት ከቕጽሎ’ዩ። ሎሚ ሰኑይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ምርጫ ናጻን ደሞክራሲያዊን ምንባሩ ፕረዚደንት ፑቲን ጠቒሱ።

ቀንዲ ተቓናቓኒ ፑቲን ምንባሩ ዝፍለጥ ኣለክሲ ነቫልንይ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ማእሰቲ ምማቱ ይዝከር።

ደገፍቲ ነቫልንይ ነቲ ዝካየድ ምርጫ ተቓውሞኦም ንምግላጽ፡ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ በበይኑ ቦታታት መውሃቢ ድምጺ ብምምጻእ ኣንጻር ፑቲን ድምጾም ምሃቦም ተገሊጹ። እዚ ግን ንውጽኢት እቲ ምርጫ ዝልውጥ ኣይኰነን።

ንፈለማ እዋን ብዛዕባ ሞት ነቫልንይ ዝተዛረበ ፑቲን፡ “ኣሕዛኒ ፍጻመ፡” ክብል ገሊጹዎ።

ፑቲን ንሻዱሽይ እብረ ፕረዚድነት ምስ ዝውድኦ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዘመናት ታሪኽ ሩስያ እቲ ዝነውሕ መራሒ ክኸውን’ዩ። ብእኡ ኣቢሉ ድማ ነቲ ዛጊት ብጆሰፍ ስታሊን ተታሒዙ ዝጸንሐ ክብረ-ወሰን ክሰብሮ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG