ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ መጋብኣያ ገበን ንኣዘዝቲ ሩስያውያን ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ይህብ፡ ሩስያ ትነጽግ


ኣብ ዘ-ሄግ ኔርዘርላንድስ ዝመደበሩ ዓለምለኸ መጋብኣያ ገበን (ICC) ሰርገይ ካብይላሽን ቪክቶር ሶኮሎቭን ንዝተባህሉ ላዕለዎት ኣዘዘቲ ሰራዊት ሩስያ፡ ኣብ ዩክሬን ፈጺሞምዎ ብዝተባህሉ ገበን ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣሕሊፉ። እቲ መጋብኣያ፡ ክልቲኦም ኣዘዘቲ ሰራዊት ካብ ጥቅምቲ 2022 ክሳብ መጋቢት 2023 ኣብ መመንጨዊ ጸዓት ዩክሬን ንዝተገብረ ዕንወት ትእዛዝ ሂቦም ብምባል ተኣሲሮም ናብቲ ቤት ፍርዲ ክርከቡ’ዩ መምርሒ ሂቡ ዘሎ።

እንተዀነ ኣባል’ቲ መጋብኣያ ዘይኰነት ሩስያ ሎሚ ረቡዕ ንትእዛዝ እቲ ቤት ፍርዲ ነጺጋቶ ኣላ። ወሃብ-ቃል ሩስያ ሃገሩ ነቲ ቤት ፍርዲ ስለ ዘይትኣምነሉ፡ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩን ሕጂ’ውን ኣብ መስርሕ ኣለዉ ዝበሎም ጉዳያትን ከም ዘይትቕበሉን ዘይተተግብሮን ገሊጹ።

እዚ መጋብኣያ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ኮሚሽነር ህጻናት ሩስያ ማሪያ ልቮቫ-በሎቫን፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዩክሬን ተፈጺሙ ብዝተባህለ መጭወይቲ ገበነኛታት ኰይኖም ስለ ዝረኸቦም ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ምሕላፉ ይዝከር። ዛጊት ግን ክልቲኡ ትእዛዛት ተግባራዊ ኣይኰነን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG