ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ሩስያ ንኣመሪካዊት ጋዜጠኛ ብምእሳሩ ሓገግቲ ኣመሪካ ጻውዒቶም የስምዑ


ኣልሱ ኩርማሸቫ
ኣልሱ ኩርማሸቫ

ኣሰናዳኢትን ጋዜጠኛን ረድዮ ፍሪ ዩሮፕ/ረድዮ ሊበርቲ ዝዀነት ኣልሱ ኩርማሸቫ ብሓይልታት ጸጥታ ሩስያ ድሕሪ ምእስራ ሰብ-መዚ ኣመሪካን ተሓለቕቲ ትካላትን ነቲ ተግባር ኰኒኖሞ። እታ ጋዜጠኛ ናይ ኣመሪካን ሩስያን ድርብ ዜግነት ዘለዋ ኰይና፡ ብረቡዕ ዘእሰራ ምኽንያት እታ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበራ ረድዮ ሊበርቲ ኣብ ሩስያ ሕጋውነት የብላን ዝብል ምኽንያት’ዩ።

እታ ጋዜጠኛ በቲ ቀሪቡላ ዘሎ ክስታት ገበነኛ ኰይና እንተ ተረኺባ ክሳብ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ይጽበያ።

ተሓላቒ ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት፡ ከምኡ’ውን ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ነቲ ተግባር ብምዅናን እታ ጋዜጠኛ ክትፍታሕ ጸዊዑ ኣሎ።

ረድዮ ሊበርቲ ወይ ድማ ረድዮ ፍሪ ዩሮፕ ኣካል’ቲ ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝካየድ ትካል ግሎባላዊ መዲያ’ዩ። ድምጺ ኣመሪካ’ውን ሓደ ኣካል’ዚ መደብ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG