ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ፤ ንምብጻሕ ፕረ.ዩክሬን ኣብ ኣመሪካ ድልውነት ንሰላም ዘመልክት ኣይኮነን ትብል


ሩሲያ ኣብ ዋሽንግተን ካብ ዝበፅሑ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮልድሚር ዘለንስኪ ምልክት ድልውነት ሰላም የለን ክትብል ሎሚ ሓሙስ ገሊፃ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንዘለንስኪ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ንዝርርብ ትማሊ ረቡዕ ኣንጊዶምዎም።እቶም መራሒ ዩክሬን ፀኒሖም ንናይ ሓባር ኣኼባ ተወከልቲ ህዝቢ (ኮንግረስ) ኣመሪካ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዩክሬን ኣንፃር ቅድሚ 10 ኣዋርሕ ዝተፈነወ ወራር ሩሲያ "ፈፂማ ኢዳ ኣይትህብን" እያ’’ኢሎም።

ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ ንጋዜጠኛታት ከምዝበሉዎ ናይ ዘለንስኪ ዑደት ኣመሪካ ብተዘዋዋሪ ምስ ሩሲያ ትዋጋእ ምህላዋ እዩ ኢሎም።

ንዩክሬን ሰፊሕ ወታሃደራውን ሰብኣውን ሓገዝ ዝሃበት ኣመሪካ ትማሊ ረቡዕ ድማ ፓትሪዮት ዝተባህለ ናይ ኣየር መከላኸሊ ሚሳይል ሓዊሱ ሓዱሽ ጥቕላል ሓገዝ ከምትህብ ኣፍሊጣ ኣላ።ዘለንስኪ ተወሳኺ ሓገዝ ምዕቡል ስርዓት ምክልኻል ንመጥቓዕትታት ሚሳይል ሩሲያ ንምክልኻል ዝሕግዝ እዩ ኢሎም።

ፔስኮቭ ፓትሮይት ሚሳይላት ነቲ ግጭት ኣይፈትሕን ሩሲያ ንምዕዋት ካብ እትደልዮ ሸቶ ድማ ዝመልሳ ኣይኮነን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG