ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ከቢድ ዓለማዊ ተነጽሎ ዘጋጥሞ ዘሎ መራሒ ሩስያ ናብ ቻይና የማዕዱ


ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ምስ ናይ ቻይና መዘናኡ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ -ፋይል

ብድሕሪ ወራር ዩክሬን ከቢድ ዓለማዊ ተነጽሎ ዘጓንፎ ዘሎ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ምስ ናይ ቻይና መዘናኡ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ ኣብ ኡዝባኺስታን ክራኸቡ መደብ ሒዞም ኣለዉ። ከም ተንተንቲ እቲ ከባቢ፡ ርክብ ናይዞም ክልተ መራሕቲ ኣብ ስትራቴጂካዊ ረብሓን ኣንጻር ኣመሪካ ዘለዎም መርገጺን ዝመርኰስ’ዩ።

ኣብ ኡዝባኺስታን እትርከብ ሳማርካንድ ጥንታዊት ከተማን መራኸቢ ማእከላይ ባሕሪን ባብ ቻይናን’ያ። እዛ ታሪኻዊት ስፍራ ዝመጽእ ሰሙን ምርኢት ምትሕግጋዝ ሻንጋይ ከተእንግድ ትዳሎ ኣላ። ኣብቲ ዝካየድ ዞባዊ ምርኢት ድማ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሜር ፑቲንን ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንግን ክራኸቡ መደብ ወጺኡ ኣሎ። እዚ ርክብ ክልተ መራሕቲ፡ ድሕሪ ወራር ዩክሬን ናይ ፈለማ ምዃኑ’ዩ።

ሩስያ፡ ካብ ምዕራብ ንዘጓነፋ ተነጽሎ ከም መባድልቲ ንቻይና’ያ ከተማዕዱ ጸኒሓ። እዚ ዝምድና ክልተ ሃገራት ንፖለቲካውን ቍጠባን ዝሓቍፍ ምዃኑ ሓያሎ ይኣምኑ።

እዚ ግን ብኣዒንቲ ገለ ተዓዝብቲ ቅቡል ኣይመስልን። ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዝግበር ቍጠባዊ ሽርክና ብምምርማር ድማ ሚዛን ዕድጊ ክልተ ሃገራት ክንድቲ ዝግመቶ ከም ዘይኰነ ተንተንቲ ይዛረቡ።

ኪንዮ ፖለቲካዊ ጥምረት፡ ፖለቲካዊ ኪዳን ክልተ ሃገራት ዘርኢ’ዩ ዝብሉ ወገናት ኣለዉ።

ኣብ ሞስኮ ዝመደበሩ ትካል ኣብ ዝሰርሕ ኣለክሲ ማላሸንኮ ብዛዕባ’ዚ ከብርህ እንከሎ፤“ኣብ መንጎ ቻይናን ሩስያን ዝግበር ንግዳዊ ልውውጥ ንዓመት ክንደይ ይበጽሕ? 143 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ’ዩ። እዚ መጠን ምስ ኣብ መንጎ ቻይናን ኣመሪካን ዘሎ ንግዳዊ ልውውጥ ከነረኣእዮ እንከሎና ዓቢ ፍልልይ’ዩ ዘለዎ። ቻይናን ኣመሪካን ከም መጻርርቲ ደኣ ይረኣያ እምበር፡ ዓመታዊ ናብ 700 ቢልዮን ዝጽጋዕ ዶላር ዕድጊ ኣለወን።”

ብኣገላልጻ ማላሸንኮ ኣብዚ እዋን ቻይና ቀንዲ ንግዳዊት መሻርኽቲ ሩስያ ዘይኰነትስ ፖለቲካዊት መሓዛን መሻርኽቲን ሩስያ ኢያ።

ካልእ ተንታኒ ድማ ጂኦፖለቲካዊ ርክብ ክልተ ሃገራት ንዝምድናአን ከም ዘሓይሎ ይገልጽ። ብዘይካ’ቲ ጂኦ-ፖለቲካዊ ቅርበት፡ ኣንጻር ኣመሪካ ዘለወን መርገጺ ከም ዘተኣሳስረን ኣብ ትካል መጽናዕቲ ሞስኮ ዝሰርሕ ክሪል ባበቭ ይምጕት። እዚ ነጥቢ’ዚ ንኽልተ ሃገራት ኣዝዩ ከም ዘሕብረን ድማ እቲ ተንታኒ የብርህ።

መራሒ ቻይና ድሕሪ ቅልውላው ለበዳ ኮቪድ ካብ ሃገሩ ክወጽእ ናይ ፈለማ እዋኑ’ዩ።

ናይ ፈለማ መገሻን ማእከል ርክብን ኣብ ኡዝባኺስታን ክኸውን ምውሳኑ ድማ ንስትራቴጂካዊ ኣገዳስነት እታ ሃገር ዘጕልሕ’ዩ ክብሉ ተንተንቲ ይዛረቡ።

ኡዝባኺስታን ኣብ መሳግሮ ማእከላይ ኤስያ ከም ዘላ መጠን ንሓይሎ ምኽንያታት ንቻይና ከም እተገድሳ እቶም ክኢላታት ይምጕቱ። እዚ ድማ ነታ ጽልዋኣ ከተስፍሕ እትጽዕር ዘላ ቻይና ዘይስገር ዕድል ምዃኑ’ዩ።

ሩስያ ብወገና ካብ ሃገራት ምዕራብ ቀጻሊ ተነጽሎን ቍጠባዊ እገዳታትን የጓንፋ ኣሎ። ርክብ ክልተ መራሕቲ ሃገራት እምበኣር ንሩስያ ኣትያቶ ካብ ዘላ ምጕናይ ከድሕናን ድልድል ክትኰናን ሞስኮ ተስፋ ትገብር።

XS
SM
MD
LG