ዋሽንግተን —
ቤተ መንግስቲ ክረምሊን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ንህጹጽ ምርግጋእ ሶርያ ብምጽዋዕ፡ እስራኤል ኣብ ሶርያ ተካዪዶ ዘላ ደብዳብ’ውን ኮኒኑ።
ሩስያ ኣብ መግለጺኣ እቲ ኣብ ዩክሬን ተካይዶ ወታሃደራዊ ስርሒት ሕጂ’ውን ብቐዳምነት ከም እትቕጽሎ ኣፍሊጣ’ላ። ሩስያ ነዚ ዝበለት ምምሕዳር በሽር ኣል-ኣሳድ ዝወደቐ ሩስያ ምስ ዩክሬን ኣብ ተካይዶ ኲናት ተጸሚዳ ሓገዛ ስለዘጉደለት ድዩ ንዝብል ሕቶ’ዩ።
ወሃቢ ቃል ክረምሊን ደመትሪ ፐስኮቭ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል “እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ብቅልጡፍ ተረጋጊኡ ክንርእይ ኢና ንደሊ፡” ኢሉ።
ፐስኮቭ ወሲኹ ኣብ ሶርያ ንዘሎ ንወታሃደራዊ መደበራት ሩስያ ብዝምልከት ምስቲ ሓድሽ መሪሕነት ከምዝዘራረብሉ ሓቢሩ።
ሩስያ ክልተ ወታሃደራዊ መደበራት ኣብ ሶርያ ከምዘለዋ ይፍለጥ።
ቅጥዒ