ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ ኣብ ሙዚቃዊ ምርኢት ንዘጋጠመ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ንዝበለቶም 4 ሰባት ንፍርዲ ኣቕሪባ


ኣብ ሩሲያ ኣዳራሽ ሙዚቃዊ ምርኢት እተፈፀመን ንልዕሊ 133 ሰባት ዝቐተለን መጥቃዕቲ ዝተኸሰሱ ኣርባዕተ ሰባት ትማሊ ሰንበት ኣብ ሞስኮ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም። ወግዓዊ ኽሲ ግብረ ሽበራ ዝቐረቦም ተኸሰስቲ ከቢድ ማህረምቲ ከምዘጋጠሞም ብንፁር ይረኣ ምንባሩን ብፍላይ ሓደ ካብኣቶም ሃለዋቱ ዘጥፍአ ይመስል ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

መግለፂ ናይቲ ቤት ፍርዲ ክልቲኦም ተጠርጠርቲ ኣብ ናይ መጀመርታ ክሶም ኣብቲ መጥቃዕቲ ምስታፎም ገበኖም ከም ዝተቐበሉ ገሊፁ ኣሎ። እቶም ሰባት ግን ብዘይ ስኽፍታ ቃሎም ሂቦም እንተኾይኖም ሕቶታት ዘልዕል እዩ።

እዚ ኹሉ ሞት ዘስዓበ መጥቃዕቲ ፈፂሞም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ወዲ 19ዝዓበየ ድማ ወዲ 23 ዓመት መንእሰያት እዮም።

ኩሎም ዜጋታት ታጃኪስታን ዝኾኑ ተኸሰስቲ ክሳብ 22 ግንቦት 2024 ቤት ፍርዲ ክሳብ ዝቐርቡ ተኣሲሮም ክፀንሑ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ ኣሎ።

ሩስያ በቲ መጥቃዕቲ ንዝሞቱ ንምዝካር ናይ ሓዘን መዓልቲ ኣዊጃ'ላ።

ደጋፊ ዳዕሽ ዝኾነ ሓደ ጉጅለ ሓላፍነት ዝወሰደሉ እዚ መጥቓዕቲ ኣብ መሬት ሩሲያ ካብ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ እቲ ዝኸፍእ እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG