ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩሲያ ኣብ ማእኸል ዕዳጋ ዩክሬን ብዘካየደቶ ደብዳብ 10 ሰባት ሞይቶም 35  ቆሲሎም 


ሩሲያ ሎሚ ዓርቢ 9 ነሓሰ 2024 ኣብ ምብራቓዊ ዩክሬን ትርከብ ከተማ ኮስታንቲኒቭካ ኣብ ሓደ ናይ ዕዳጋ ቦታ ብዝፈፀመቶ መጥቓዕቲ 10 ሰባት ሞይቶም ካልኦት 35 ምቑሳሎም ሚንስትሪ ውሽጢ ሃገር ዩክሬን ገሊፁ።

እታ ከተማ ካብ ሩሲያ ትቆጻጸሮ ከባቢታት ኣስታት 13 ኪሎ ሜትሪ ርሒቃ ትርከብ ኮይና ዳርጋ መዓልታዊ ደብዳብ ከምዘጋጥሞ ተሓቢሩ'ሎ።

ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ነቲ ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ሕነ ከም ዝፈድዩ ቃል ኣትዮም። ንሶም ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝዘርግሕዎ መልኽቲ ‘’ሩሲያ ነዚ ራዕዲ እዚ ተሓታቲት ክትኸውን እያ’’ ኢሎም ።

ኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ዞባ ዶነስክ ቫዲም ፍላሽኪን ሓይልታት ሩሲያ ነታ ከተማ ብከቢድ ብረት ከም ዝደብደቡዋ ገሊፁ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG