ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ ናብ ከተማ ሴንት ፒተርስፐርግ ይኣትው


መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ ናብ ከተማ ሰይንት ፒተርስበርግ ክኣትዉ ጀሚሮም።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣሶሴይትድ ፕረስ ውሕስነት መግብን መጻኢ ዕድል ወተሃደራዊ ጉጅለ ዋግነርን ካብ ቀንዲ ኣጀንዳ`ቲ ዋዕላ ክኸውን`ዩ። ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑትን ንኣፍሪቃ ዝኣተዎ መብጽዓ ከተግብር ጸቕጢ ኣብ ዝርኣየሉ እዋን፡ ነቲ ኣኼባ ኣፍሪቃውያን መሻርኽቲ ንምኽሳብው`ውን ከም ዝጥቀመሉ ይግለጽ።

ኣብቲ ካብ ጽባሕ 27 ሓምለ 2023 ጀሚሩ ንክልተ መዓልታት ዝካየድ ዋዕላ ፡ 49 ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝሳተፋ ይግለጽ ኣሎ። ካብ መንጎ`ቶም ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፉ ተበጊሶም ዘለዉ መራሕቲ ኣፍሪቃ : ናይ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ዝርከብዎም ገለ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ሩስያ ኣትዮም ኣለዉ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ሎሚ ንግሆ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከም ዝተበገሰ፡ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር መልእኽቱ ሓቢሩ`ሎ። ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን፡ ሎሚ ረቡዕ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያን ግብጽን ዝተፈለየ ኣኼባ ከም ዝገብር'ውን ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ'ሎ።

ኣብ ሞስኮ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃበ ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ ሩስያ ዩሪ ዩሻኮቭ፡ ካብ መንጎ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ እተን 49 ዝሳተፋ ክኾና ኸለዋ፡ 17 ብደረጃ መራሕተን ክሳተፋ ገሊጹ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG