ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ ንሃገራት ኣፍሪቃ ወታሃደራዊ ሓገዝ ከምትህብ ቃል ኣትያ


ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝበጽሑ ሚ/ጉ/ወ ሩስያ
ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝበጽሑ ሚ/ጉ/ወ ሩስያ

ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ዞባታት ሳሕል ዑደት የካይድ ዘሎ ዝለዓለ ዲፕሎማት ሩሲያ ወታሃደራዊ ሓገዝ ከም ዝህብ ቃል ኣትዩ። ሞስኮ ኣብቲ ማዕድናት ብብዝሒ ዝርከቦ ኽፋል እቲ ኣህጉር ዘለዋ ፅልዋ ክተዕቢ እያ ትፅዕር'ላ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት ናብ ኣፍሪቃ ብዙሕ ግዜ መገሻ ዝገበሩ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብዚ ሰሙን ድማ ኣብ ጊኒ፣ ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ቡርኪናፋሶን ቻድን ዑደት ኣካይዶም ኣለው።

ሩሲያ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ወታሃደራዊ ሽርክና ኣሐይላ ቀፂላትሉ ኣላ። እቶም ሩሲያዊያን ወታሃደራት ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ካብ ምሕላው ሓሊፎም መንግስታት ምስ ፅንፋዊያን ሓይልታት ኣብ ዝዋግእሉ ግዜ ኣብ ምሕጋዝን ተራ ኣለዎም።


ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ሩሲያ ገፀን ዘዝራሉ ዘለዋ ምኽኒያት ሩሲያ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ጣልቃ ምእታው ናይ ፀጥታ ሓገዛት ብምሃባ ምዃኑ ይንገር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG