ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ሩስያ ኣብ ብራዚል ይበጽሑ


ሚ/ጉ/ወጻኢ ሩስያ ምስ ፕረዚደንት ብራዚል
ሚ/ጉ/ወጻኢ ሩስያ ምስ ፕረዚደንት ብራዚል

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ብራዚል ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ሉኢስ ሉላ ሲልቫ ተዘራሪቦም።

ትማሊ ሓሙስ ኣብ’ቲ ኣብ ሪዮ ጂነሮ ዝተሳለጠ ዋዕላ ጉጅለ-20 ዝተሳተፉ ሰርገይ ላቭሮቭ፣ ንሚንስተራት ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃን ቱርክን ሓዊሱ ምስ ዝተፈላለዩ ሚንስተራት ጉዳያት ወጻኢ ከምዘዘራረቡ’ውን እቲ ዜና ይጠቅስ።

ቀዳምን ሰንበትን ዝእከቡ ሚንስተራት ጉጅለ-20 ብዛዕባ ለውጢ ኩነታት ኣየር (ክሊማ)፣ ብደረጃ ዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ ጸጥታዊ ውጥረት፣ ኣብ ሪዮ ዝመጽእ ሕዳር ዝሳለጥ ዋዕላ ዝዘራረበሎም ኣጀንዳታት ምጽዳቕ ኣልዒሉ ክመክር እዩ።

ላቭሮቭ፣ ኣብ ብራዚል መገሻ ይፍጽሙ ዘለው፣ ድሕሪ ኣብ ቬንዙዌላ ዝገበርዎ ተመሳሳሊ መገሻ እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG