ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣካያዲ ሆቴል ሩዋንዳ ዝነበረ ፖል ሩሰሳ-ባጊና ኣብ ኣመሪካ ምስ ዝርከቡ ስድራ ቤቱ ተራኺቡ


ኣካያዲ ሆቴል ሩዋንዳ ዝነበረን ኣብ 1994 ዓ.ም ኣብ ዝተፍጸመ ጽንተት፣ ንተወላዶ ቱትሲ ዘዕቆበን፣ ዳሓር እታ ‘ሆቴል ሩዋንዳ ’ ዘርእስታ ፊልም ንክትስራሕ ዘኽአለን ፖል ሩሰሳ-ባጊና፣ ኣብ ኣመሪካ ምስ ዝርከቡ ስድራ ቤቱ ተራኺቡ።

ሩሰሳ-ባጊና ኣብ ኣመሪካ ከምዝኣተወ ብትዊተር ዘፍለጠ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝኾነ ጃክ ሱሊቫን "ንሱ፣ ንመሬት ኣመሪካ ምርጋጹ ኣሓጊሱና ኣሎ" ኢሉ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣመሪካዊያን ሰበ-ስልጣን ሩሰሳ-ባጊና፣ ድሕሪ ካብ ቤት ማእሰርቲ ሩዋንዳ ምፍትሑን ናብ ኣመሪካ ቅድሚ ምእታው፣ ኣብ ዶሃ ቐታር ከምዝጸንሐ ጠቒሶም።

ኣብ ጅምላዊ ህልቂት ሩዋንዳ፣ ኣማኢት ሰባት ኣብ’ታ ንሱ ዘማሕድራ ዝነበረት ሆቴል ብምዕቓብ ዘድሐነ 68 ዓመት ዝዕድሚኡ ሩሰሳ-ባጊና፣ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ ሩዋንዳ ብገበን ግብረ ሽበራ ተኸሲሱ፣ ናይ 25 ዓመታት ማእሰርቲ ተበይንዎ ከምዝነበረ ዝፍለጥ እዩ።

XS
SM
MD
LG