ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩዲ ጁልያኒ ፋይናንሳዊ ጥፍሽና ኣዊጁ


ሩዲ ጁልያኒ
ሩዲ ጁልያኒ

ናይ ቅድም ከንቲባ ኒው-ዮርክን ድሒሩ ድማ ጠበቓ ዶናልድ ትራምፕን ዝነበረ ሩዲ ጁልያኒ ፋይናንሳዊ ጥፍሽና ኣዊጁ። ትማሊ ሓሙስ ወግዓዊ ከምዝገበሮ ጁልያኒ ብቤት ፍርዲ 148 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ድሕሪ ምእዛዙ’ዩ ናብዚ ስጕምቲ በጺሑ።

እቲ ጠበቓ ዶናልድ ትራምፕ ነበር ኣብ ምርጫ 2020 ብዝተጻወቶ ተራ ካልእ ክስታት ኣብ መስርሕ ከም ዘለዎ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብድምሩ 153 ሚልዮን ዶላር ዕዳ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ።

ጁልያኒ እቲ መስርሕ ፍርዲ ገና ስለ ዘይተወድአ ርእይቶ ካብ ምሃብ ከም ዝተቖጠበ ክገልጽ እንከሎ፡ “ዛጊት ናይ ሓደ ወገን ርእይቶ ጥራይ ኢኹም ሰሚዕኩም ዘለኹም፡ ናተይ ክሳብ ትሰምዑ ቍሩብ ዓቕሊ ግበሩ፡” ክብል ኣዘኻኺሩ ኣሎ።

ናይ ጁሊያኒ ዝበዝሐ ዕዳ 148 ሚልዮን፡ ብዛዕባ ምርጫ ክፍለ-ሃገር ጆርጂያ ዝንቡዕ ሓበሬታ ድሕሪ ምሃቡ ዝተበየነሉ መቕጻዕቲ’ዩ። ሕጋዊ ኣማኻሪ ጁልያኒ በቲ ዝተዋህበ ብይን ከም ዘይተገረመ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG