ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሒሜቲ ኢትዮጵያ ኣትዩ ምስ ላዕለዎት ሰብ-መዚ ይራኸብ


ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ) ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተራኸበሉ
ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ) ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተራኸበሉ

ሱዳናዊ ኣዛዚ ሰራዊት ህጹጽ ወሃብ ድጋፍ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ) ሎሚ ሓሙስ 28 ታሕሳስ 2023 ኣዲስ ኣበባ ብምእታው ምስ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ኣቶ ደመቀ መኮነን ተራኺቡ።

ኣቶ ደመቀ መኮነን ነቲ ኣዛዚ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ከም ዝተቐበሎ ኣብ ማሕበራዊ ገጻቱ ኣካፊሉ ኣሎ።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሎሚ ምስ ሱዳናዊ ኣዛዚ ሰራዊት ህጹጽ ወሃብ ድጋፍ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ) ተራኺቡ ኣብ ሰላምን ምርግ ጋእን ሱዳን ምዝርራቡ ሓቢሩ'ሎ።

ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ብወገኑ ነዚ ኲናት መወዳእታ ንምግባርን ንህዝቢ ሱዳን ካብ ዘለዎ ጸገም ንምንጋፍን ብዝምልከት ምስ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ምዝርራቡ ሓቢሩ'ሎ።

ካብ ህዝቢ ንነዊሕ እዋን ተኸዊሉ ዝጸንሐ ሒሜቲ፡ ብዛዕባ ብህይወት ምህላዉ ከዘራርብ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ትማሊ ረቡዕ ኡጋንዳ ከይዱ ምስ ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሳቬነ ምርኻቡ’ውን ሮይተርስ ኣስፊሩ ኣሎ።

ሕሜቲ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ኣቐዲሙ ትዊተር ዝጽዋዕ ዝነበረ ከም ዘስፈሮ፡ እታ ዝተጓዕዘላ ነፋሪት ንብረት መንገዲ ኣየር ኢማራት ምዃና ኣብቲ ስእሊ ተመልኪቱ ኣሎ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ቀንዲ ሓጋዚት እቲ ሰራዊት ምዃና ይፍለጥ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣስታት ሽውዓተ ሚልዮን ዜጋታት መንበሪታቶም ሓዲጎም ተመዛቢሎም ኣለዉ።

ንኽልተ መራሕቲ ንምትዕራቕ፡ ብዝተፈለላየ ኣካላት ዝተገብረ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይቀንዐን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG