ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ወሃብቲ ደገፍ ሱዳን ን72 ሰዓታት ተኹሲ ደው ንምባል ተሰማሚዖም


ተዋጋእቲ ሓይልታት ወሃብቲ ደገፍ ሱዳን ንብምኽንያት ዒድ ን72 ስዓታት ቶኽሲ ደው ምባሎም ምስምምዖም ኣፍሊጦም። ኣብ ትዊተር ኣብ ዝፀሓፉዎ መልእኽቲ እቲ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ንዜጋታት ሰብኣዊ መውፅኢ ንምሃብን ምስ ስድራ ቤቶም ሰላም ክብሃሃሉ ዕድል ንምሃብን ዝዓለመ'ዩ።

እንተኾነ ግን ሎሚ ዓርቢ እውን ኣብ ኻርቱም ቶኽሲን ፈንጀራታትን ቀፂሉ ውዒሉ ኣሎ።

ኣብዚ ናይ ስልጣን ቕልስ ዝተኻየደ ውግእ ዛጊድ 350 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው። እዚ ድማ ነታ ሃገር ናብ ዲሞክራሲ ንምስግጋር ዝነበረ ተስፋ ዘዳኸመ ንጎረባብታ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ከምእ'ውን ኣብ መንጎ ሩሲያን ኣመሪካን ናብ ዞባዊ ውድድር ዘእትው እዩ።

ኣብ መንጎ ሓይልታቶምን ሓይልታት ወሃብቲ ድጋፍን ዘስካሕክሕ ውግእ ካብ ዝጅመር ዳርጋ ሓደ ሰሙን ንፈለማ ግዜ እዮም መደረ ዘስምዑ ላዕለዋይ ጀነራል ሱዳን ወታሃደራት ስልጣን ናብ ስቪላዊ ምምሕዳር ንምስጋር ቆራፅነት ከምዘለዎም ሎሚ ዓርቢ ገሊፆም።

ሎሚ ዓርቢ ንጉሆ ብምኽንያት ናይ ናይ ኣመንቲ እስልምና ዒድ ጀነራል ዓብደል-ፋታሕ ቡርሓኒ ብቪዲዮ ኣቢሎም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ‘’ነዚ ፀበባ እዚ ብስልጠና:ብጥበብን በርቲዕናን ከም እንሰግሮ ርግፀኛታትን ኢና። ድሕነትን ሓድነትን ናይዛ ሃገር ዓቂብና ናብ ስቪላዊ ስርዓት ብውሑስ ኩነታት ክንሰጋገር ከም እንኽእል ርግፀኛታት ኢና’’ኢሎም።

XS
SM
MD
LG