ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህዝቢ ዓፋር ንናፅነት ኤርትራ ኣብ እዋን ረፈረንደም እወ ንናፃነት 98.9 ሚእታዊ ዘድመፀ'ዩ ይብሉ ኣቶ ነስረዲን ኣሕመድ


ዴሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ንneፅነት ኤርትራ ሰፍ ዘይብል መስዋእትን ክሳራን ምዝንባልን ዝወረዶን ኣብ እዋን ረፈረንደም እወ ንነፃነት 98.9 ሚእታዊ ከምዘድመፀ ይዛረቡ ኣቶ ነስረዲን ኣሕመድ። ህዝቢ ዓፋር መግዝእቲ ንሰለስተ'ዩ ጎዝዪዎ ዝበሉ ሓላፊ ጉዳያት እቲ ውድብ ኣቶ ነስረዲን እቲ ኣብ ዘዘለዎ ቦታ መሰሉን ክብረቱን ረኺቡ ዝነብሩ ኩነታት ከምዝመርፅን ከምዘኽብርን ሓቢሮም።

መሰል ብሄራት ክሳብ ምንፃል ዝብል ዓንቀፅ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ኤርትራ ንክሕቆፍ ዝጠልብ እዚ ውድብ፡ዝሰምዕ ወገን እንተዘይሃልዩ ግና ናይ ዓፋር መሰል ክሳብ ምንፃል ክንጥቀመሉ ኢና ይብሉ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝተዝርገሐ መግለፂ፡መርገፂ ገለ ወገናት'ምበር ውድባዊ መግለፂ ኣይኮነ ብምባል መሰል ርእሰ-ውሳነ ክሳብ ምንፃል ዝብል እምነት እንተኾነ ከምዝቕበልዎ ኣቦ-መንበር ኪዳን ኣቶ ተወልደ ገብረ-ስላሴ ተዛሪቦም።

XS
SM
MD
LG