ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝምድና ንጉስ ኢስዋትኒን ጃኮብ ዙማን-- መበል 16 ሰበይቲ ንጉስ ምስዋቲ ሳልሳይ


ንጉስ ምስዋቲ ሳልሳይ - ፋይል
ንጉስ ምስዋቲ ሳልሳይ - ፋይል

ንጉስ ናይ ቅድም ስዋዚላንድ ናይ ሎሚ ኢስዋቲኒ ምስዋቲ ሳልሳይ ንጓል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ክምርዓዋ ኣብ ምቅርራብ ይርከብ። እዚ መርዓ ምስ ዝፍጸም መበል 16 ሰበይቱ’ያ ክትከውን። መርዓ እዞም ክልተ ስድራ ብሕልፊ ኣብ ቍጠባ ኢስዋቲኒ ከቢድ ተጽዕኖ ክፈጥር ከም ዝኽእል’ዩ ጸብጻብ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ይሕብር።

ስድራቤት ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ኢስዋቲኒ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናብ እንዳ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ በጺሖም ነይሮም። ዕላማ እቲ ጉዕዞ ንጓል ፕረዚደንት ዙማ ነበር ንመርዓ ንምሕታት’ዩ።

ተንታኒ ፖለቲካ ማንድላ ሃትሽዋዮ ንሕብረት እዞም ክልተ ዓበይቲ ስድራቤታት ፖለቲካዊን ቍጠባዊን ንግስትነት ንምሕያል ምዃኑ ይኣምን።

"ፕረዚደንት ዙማ ኣምባሳድር ስዋዚላንድ ኰይኑ ነቲ ንግስነት ከዕቢ ከም ዝደሊ ኣየከራኽርን’ዩ። ሕጂ ዙማ ንፖለቲካዊ ሰልፊ ኤምከይ ክመርሕ ምስ ጀመረ ድማ እዚ ዓይነት ምሕዝነት ንሓይሉን ጽልዋኡን ንምድልዳል ኣዝዩ ሓጋዚ ክኸውን’ዩ።”

ኣብ ናይ ቅድም ስዋዚላንድ ናይ ሎሚ ኢትስዋቲኒ ተወሊዱ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብር ሲሰሎ ምንጎዙሉ ግን እዚ መርዓ ክንድቲ ዝግመቶ ጽልዋ ክህሉዎ ከም ዘይክእል ይዛረብ። ከም ኣገላልጻኡ ተራ ጃኮብ ዙማ ኣብ ፖለቲካ ደቡብ ኣፍሪቃ’ውን እናነኣሰ ስለ ዝመጽአ ንፖለቲካ ኢትስዋቲኒ ክጸሉ ኣይክእልን’ዩ በሃላይ’ዩ። ንቝጠባዊ ረብሓን ምትእስሳርን እዞም ክልተ ስድራቤታት ክህሉዎ ዝኽእል ተራ ግን ምንጎዙሉ ኣይክሕዶን።

"ብዘይከራኽር መንገዲ ግን እዚ መርዓ ንቝጠባዊ ምትእስሳር ፕረዚደንት ነበር ዙማን ንግስትነት ስዋዚላንድ ከሕይሎ’ዩ። ኣቐዲሙ ብዙሕ ርክብ ጸኒሑዎም’ዩ። ኣብ ገለ ዘይሕጋዊ ዝመስል ንግዳዊ ሽርክነት’ውን ብሓባር ክሰርሑ ጸኒሖም’ዮም። እዚ መርዓ እምበኣር ነዚ ዓይነት ምሕዝነት ከሐይሎ ምዃኑ ኣይከራኽርን። በዚ ምኽንያት እቲ ሽርክነት ክሕይልን ንግዳዊ ርክብ ክተርርን ንጽበ።”

ዙማ ብዝቐረበሉ ሓያሎ ናይ ብልሽውና ክስታት ንዝመጽእ ዓመት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ መጋብኣያ ክቐርብ’ዩ። ካብ መንጎ’ቲ ቀሪቡሉ ዘሎ ክስታት ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ዝምልከት’ዩ። እንተዀነ ንዅሉ እቲ ክስታት ኣቐዲሙ ነጺጉዎ’ዩ።

ኣብ ካልእ ዜና፡ ንጉስ ምስዋቲ ሳልሳይ ብብዝሒ ኣንስቱን ብዙሕ ገንዘብ ዘባኽን ዓይነት ኣነባብራኡን ካብ ነቕፌታ ኣይደሓነን። ጓል ዙማ መበል 16 ሰበይቲ ንጉስ ምስዋቲ ሳልሳይ’ያ ክትከውን። እዚ መርዓ ክልተ ዓበይቲ ስድራቤታት ድማ ብዙሕ ወጻኢታት ክሓትት ምዃኑ ተንተንቲ ይግምቱ። ናይ ቅድም ኣባል ፓርላማ ኢስዋቲኒ ዝዀነ ምዱዙዚ ሲምላነ፡ ብውሑዱ 100 ከብቲ ከም ገዝሚን ክልተ ሚልዮን ራንድ (ልዕሊ 110 ሽሕ ዶላር) ዝኸውን ገንዘብን ካብ ህዝባዊ ካዝና ኢስዋቲኒ ክወጽእ ምዃኑ እቲ ኣባል ፓርላማ ነበር ይነግር። ኣብ ርእሲኡ ብዙሕ ክፍሊታት ክህሉ ከም ዝኽእል ዝነገረ እቲ በዓል መዚ ነበር፡ እቲ መርዓ ኣብ መንጎ’ተን ኣንስቲ’ውን ካልእ ፍሕፍሕ ከምጽእ ከም ዝኽእል ይግምት።

ዘይሩ ዘይሩ ግን እቲ መርዓ ነቶም ክልተ ስድራቤታት ኣሐይሉ ኣብ ዝምድና ክልተ ሃገራት’ውን ተራ ክህሉዎ ከም ዝኽእል ይግመት።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG