ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጓል ፕረዚደንት ሮናልድ ሬገን ንጌጋ ወላዲኣ ይቕሬታ ሓቲታ


ሮናልድ ሬገን
ሮናልድ ሬገን

ጓል ፕረዚደንት ሮናልድ ሬገን፣ ነቲ ኣቦኣ ቅድሚ ዓመታት ዝተጠቐሙሉ ዘርኣዊ ኣገላልጻ ይቕሬታ ሓቲታ። ፓቲ ዴቪስ ድሕሪ ሓያለ ዓመታት ነዚ ‘ለበዋ ዘቕረበት’ ኣብ ጋዜጣ ኣብ ዝጻሓፈቶ ቃል’ዩ።

ጓል ፕረዚደንት ሮናልድ ሬገን ፓቲ ዴቪስ ኣብ ጋዜጣ ዘ ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዘውጸአቶ ጽሑፍ ‘ሮናልድ ሬገን፣ ሽዑ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ እዋን ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ንዕዑ ዘቖጠዐ ድምጺ’ዮም ሂቦም ኢሉ ‘ኣህባይ’ ዝበለሉ ኩነታት፣ ንምምላስ ክሳብ ሎሚ ቅርብቲ ከምዘይነበረት’ ትገልጽ።

ወከልቲ ልኡኻት ታንዛንያ ኣብ 1971 ዓ/ም፣ ንህዝባዊት ሪፐብሊክ ቻይና ዝሕግዝ ድምጺ ከምዝሃቡ ዝዝከር’ዩ ይብል እቲ ዜና።

ኣማሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎርንያ’ውን ዝነበሩ ሮናልድ ሬገን ‘እቶም ካብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ትሪእዎም ዘለኹም ኣህባይ፣ ገለ ይመስሉ! ሳእኒ ምልባስ’ኳ ዘይኽእሉ!’ ኢሎም ነይሮም

ሽዑ ፕረዚደንት ዝነበሩን ነቲ ድምጺ ዝቐረጹን ሪቻርድ ኒክሰንን’ዮም።

ፓቲ ዴቪስ ኣብ ጽሑፋ ‘ነቲ ኣቦይ ዝበሎ ቃላት ንምክልኻል፣ ምኽኑይ ንምግባር ዋላ ክቐርብ ዝኽእል መብርሂ ክህሉ ኣይኽእልን’ በለት። ‘ኣቦይ ምስ ኒክሰን ኣብ ዝተዘራረበሉ ሰዓት ዝተጠቐመሎም ቃላት፣ ብዝኾነ መገዲ ክትርጎም ግቡእ ኣይኮነን፣ እንኮ መግለጺኡ ‘ሕማቕ ዘረባ’ ዝብል ጥራይ’ዩ ኢላ።

XS
SM
MD
LG