ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ኦባማ ዝቕፅል ቀዳም ወግዓዊ ወፍሪ ምርጫ ክጅምሩ እዮም


ውሽጣዊ ቁጠባ እታ ሃገር ኣብ ዝቅጽል ወርሒ ሕዳር ንዝካየድ ምርጫ ወሳኒ ጉዳይ ከምዝኸውን ተንተንቲ ይዛረቡ

ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ዝቕፅል ቀዳም አብተን ክልቲኦም ፓርትታት ኣፎም መሊኦም ናተይ እየን ዘይብሉወን ክፍለ ግዝአታት ኦሃዮን ቨርጂኒያን ብምብፃሕ ወፍሪ ዳግማይ ምርጭኦም ብወግዒ ክጅምሩ እዮም።ኣብ መንጎ ባራክ ኦባማን መወዳድርቶም ክኾኑ ትፅቢት ዝግበረሎም ሪፖብሊካዊ ተነሓናሒኦም ኣማሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ማሳቹስተስ ዝነበሩ ሚት ራምኒን እቲ ውድድር ድሮ ብዝግባእ ተጀሚሩ’ሎ።

ናይ ኣሜሪካ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ንኽካየድ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዝተረፈሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ስትራተጂ ሪፓብሊካዊ ፓርቲ ንጹር እዩ።ንፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ካብ ስልጣኖም ምብራር።ነዚ ንምዕዋት ድማ ወሃብቲ ድምጺ ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዝገበርዎ ምንቅስቃስ ከተኩሩ ምግባር።

መብዛሕቲኦም ሪፓብሊካዊያን መነሓንሕቲ ሚት ራምኒ ነቲ መባእታዊ ውድድር ስለ ዘቋረጽዎ እቶም ኣማሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ማሳቹስተስ ዝነበሩ ኣብ ዝቅጽል ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝካየድ ምርጫ ፕሬዳንታዊ ሕጹይ ዝስዕሩ ይመስሉ።ሮምኒ ዘድልዩዎም ቁጽሪ ወከልቲ ኣብ ዝቅጽሉ ሰሙናት ክውንኑ ትፅቢት ይግበር።

ሮምኒ ምሉእ ቀልቦም ናብ ፕሬዝዳንት ኦባማ ብምዛር ኣብ ዝቅጽል ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ፕሬዝዳንታዊ መርጫ እንተ ስዒሮም ኢኮኖሚያዊ ምርግጋእ ንምምጻእ ቃል ኣትዮም ኣለዉ።

ውሽጣዊ ቁጠባ እታ ሃገር ኣብ ዝቅጽል ወርሒ ሕዳር ንዝካየድ ምርጫ ወሳኒ ጉዳይ ከምዝኸውን ተንተንቲ ይዛረቡ።እቲ ወፍሪ ምርጫ ክልቲኦም ተነሓናሕቲ ኣብ መጠንን ታራን ፌደራላዊ መንግስቲ ዘለዎም ኣፈላላይ ከጉልህ ከም ዝኽእል ትፅቢት ይግበር።

ሮምኒ ወጻኢታት መንግስቲ ኣዝዮም ከም ዝንክዩ ቃል እንትኣትው ፕሬዳንት ኦባማ ግን ቁጠባዊ ሕውየት ንምስላጥ ዓቕሚ መንግስቲ ከምዝጥቀሙ ቃል ኣትዮም ኣለው።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዘሎ ኣሃዛዊ መዐቀኒ ሪኢቶ ህዝቢ ፕሬዝዳንት ኦባማ ንሮምኒ ብቁሩብ ይመርሑዎም ኣለው።ኣብ ስልጣን ንዘሎ ፕሬዝዳንት እቲ ፀብለልታ ብዙሕ ዘጃህር ኣይኮነን።ቁጠባ ዩናይትድ ስቴትስ ወሃብቲ ድምፂ ብዝደልዩዎ ህፀት እንድሕር ዘይሓወየ እቲ ፀብለልታ እናሃሰሰ እዩ ክኸይድ።

XS
SM
MD
LG