ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቂ ኣንስትዮ ሮሂንጋ ብወታሃደራት ማነማር ከምዝተዓመጻ ሂማን ራይትስ ዎች ሓቢሩ


ወታደራት ማይንማር ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ሮሂንጋ ፆታዊ ዓመፅ ምፍፃሞምን ኣብ ክፍለ ግዝኣት ራኪነ ዝነብሩ ውሑድ ቁፅሪ ዘለዎም ኣመንቲ እስልምና ሓቢሮም፡ እቲ መግሃስቲ ቀፂሉ ከምዘሎን ፀብፃብ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂማን ራይትስ ዎች ይገልፅ።

ሂማን ራይትስ ዎች ኣብ ማይንማር ወይ በርማ ብሓይልታት ፀጥታ ፆታዊ ዓመፅ ዝተፈፀመንን ናብ ባንግላዲሽ ዝሃደማን 52 ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ሮሂንጋ ቃለ መጠይቕ ብምግባር ከምዘረጋገፀ ሓቢሩ’ሎ።

ብዘይካ ሓንቲ ኩለን ኣብ ሓደ ግዜ ብብዙሓት ወታደራት ከምዝተደፍራ ብምግላፅ ካብአን ሓንቲ ሃላ ሳዳክ ዝተብሃለት ጓል 15 ዓመት ኣብ ሓደ ግዜ ብ10 ደቂ ተባዕቲዮ ከምዝተደፈረትን ሕልንኣ ከምዝስሓተትን ተዛሪባ’ላ።

ልዕሊ 600 ሽሕ ካብ ዓሌር ሮሂንጋ ዝኾኑ ኣመንቲ እስልምና ኣብ ዝሓለፈ 25 ነሓሰ 2017 ዓ.ም. ካብ በርማ ከምዝሃደሙ ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG