ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኤርትራ ዝወከሉ መንእሰያት ኣብ ውድድር ሮቦቲክስ ሲንጋፖር እንታይ ይብሉ?


ንኤርትራ ዝወከሉ መንእሰያት ኣብ ውድድር ሮቦቲክስ ሲንጋፖር እንታይ ይብሉ?
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:36 0:00

ንኤርትራ ዝወከሉ መንእሰያት ኣብ ውድድር ሮቦቲክስ ሲንጋፖር እንታይ ይብሉ?

ካብ 7-10 ጥቅምቲ ኣብ ሲንጋፖር ዝተኻየደ ውድድር ዓመታዊ ውድድር ሮቦቲክስ ኤርትራ ወኪሎም ዝተወዳደሩ ሓሙሽተ መንእሰያት ቐዳሞት ብምኳን ተዓዊቶም።

እቶም ኣብ ካናዳ ተወሊዶም ዝዓበዩ ሓሙሽተ መንእሰያት ብማሕበረሰብ ኤርትራዊያን ኮሚኒቲ ካልጋሪ ተጠርኒፎም ናብቲ ውድድር ዝተሳተፉ ክኾኑ ከለው ብዛዕባ'ቲ ውድድርን ተመክሮኦምን ብዝምልከት ንጠርናፊኦም ቢንያም ካሕሳይን እቶም መንእሰያትን ኣዘራሪብናዮም ኣለና።

ኣብቲ ውድድር ካብ 190 ሃገራት ዝተወከሉ ኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ዝተሳተፉ ኾይኖም ኣብቲ ውድድር ዝቐረቡ ስርሓት ንኣገዳስነት ዳግማይ ዝምስራሕ ጸዓት ዘተኾረ'ዩ።

ነቲ ውድድር ዘቕረበ ፈርስት ግሎባል ዝተባህለ ትካል ሳይንስን ቴክኖሎጂን ልክዕ ከም ካልኦት ውድድራት ዘሓጉስ እንተተጌሩ ነቶም ኣስታት ክልተ ቢልዮን ዝቑጸሩ መንእሰያት ዓለም ኣብ ዓውድታት ሳይንስ ቴክኖሎጂን ማትስን (ስቴም) ክሳተፉ ዘተባብዕ ክኸውን ከምዝኽእልን እዞም መጻኢ መራሕቲ ንናይ ዓለምና ተኣፈፍቲ ጸገማት ብሓባር ብምዃን ንምፍታሕ ከምዝክእሉ ይገልጽ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG