ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊ መንእሰይ ዳኒኤል ገዛኢ መምሃሪ ሮቦት ይሰርሕ


ሰናዒ መንእሰይ ዳኒኤል ገዛኢ
ሰናዒ መንእሰይ ዳኒኤል ገዛኢ

ሰናዒ መንእሰይ ዳኒኤል ገዛኢ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2016 ብዘቕረቦ ሰንዓ ዝምህር ሮቦት ( teaching robot) 1ይ ብምዃን ክሽለምን ካብ ተዓዛቢ ህዝቢ ከኣ ዓቢ ኣድናቖትን ናእዳን ክረክብ ኪኢሉ`ሎ።

እቲ ሮቦት ካብ ቤት ጽሕፈት ብመምህር ብዝዋሃቦ ናይ ረድዮ መልእኽቲ ተቐይዱ ንተማሃሮ መዋእለ ህጻናትን መባእታን ኣብ ክፍሊ እና ተንቅሳቕሰን እናኣዘናግዐን ዝምህር ኮይኑ ንኩነታት ተመሃሮ እናተኸታተለ ናይ ድምጽን ስእልን መልእኽቲ ዘመሓላልፍ 'ዩ።

ዳንኤል ገዛኢ ነዚ ሮቦት ዝተፈላለዩ ኤለክትሮኒክስን ካልእ ኣቑሑን ኣለጋጊቡ ከምዝስርሖ አዩ ኣረጋጊጹ። መንእሰይ ዳኒኤል ኣብ መጻኢ ነዚ መምሃሪ ሮቦት ኣማዕቢሉ ኣብ ናይ መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ክዋፈር መደብ ኣለኒ ይብል።

ሰናዒ ዳኒኤል ገዛኢ ቅድሚ ሕጂ ናይ ሬድዮ ርክብ፡ ነታጒ መፈተሺ ፡ ራዳር ነፈርቲ፡ ናይ ምስማዕ ጸገም ንዘለዎም ሰባት እትሕግዝ መስምዒ (Ear Phone)፡ ከምኡ ውን ንፈነወ ቴለቭዥን ዘገልግል (RF) ትራንስሚተር ዝሰንዐን ኣብ ቅብኣ፡ ቅርጻ፡ ሰንዓ፡ ጽገና ኤለክትሮኒክስን፡ ቴለቭዥንን ሬድዮን ዝነጥፍ ብዓል ቡዙሕ ሞያን ህርኩትን መንእሰይ እዩ።

መንእሰይ ዳኒኤል ገዛኢ ነዚ ኩሉ ስርሓት ብሓርኮትኮትን ዝተፈላለዩ መጽሓፍቲ እናወሰኸን ዝሰርሐ ልዕሊ ኹሉ ናይ ምግባር ዓቕሙ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምዃኑ ዘርኣየ`ዩ ። ንሱ ትምህርቲ ሞያዊ ስልጠናን ሓገዝን እንተረኺበ ታኣምር ከምዝሰርሕ ኣይጣራጥርን ይብል።

ምስኡ ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:19 0:00

XS
SM
MD
LG