ኣብ ሚልዋኪ ዊስከንስን ክቃናዕ ዝቐነየ ዋዕላ ርፓብሊካውያን ትማሊ ሓሙስ፡ ብመደረ ፕረዚደንታዊ ሕጹይ እቲ ሰልፊ ተዛዚሙ። ድሕሪ ናይ ዝሓለፈ ቀዳም ፍሹል ፈተነ ቅትለት ንፈለማ እዋን ወግዓዊ መደረ ዝገብረ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንዓለምና የንጸላልዋ ኣሎ ዝብሎ ሓደጋን ውሕስነት ኣመሪካ ዘቐደመን ቃል’ዩ ኣስሚዑ።
እቲ ዋዕላ ነቲ ዝመቀረን ነዊሕ ትጽቢት ዝግበሮን ኣብ መጨረሽታ’ዩ ሰሪዑዎ። ትራምፕ፡ “ንዝገብርኩምለይ ምርቋሕ ብወግዒ ተቐቢለዮ ኣለኹ፡” ምስ በለ፡ ኣድራሽ ብነጎዳ ጣቕዒት’ዩ ኣንበድቢዱ። ድሕሪ ናይ ቀዳም ፈተነ-ቅትለት ትራምፕ እንታይ ክብል ከም ዝኽእል ሓያሎ ክጽበዩዎ ዝጸንሑ’ዩ። ትራምፕ ዝሕል ኢሉን ሃዲኡን’ዩ መደረኡ ከፊቱ። ፈለማ ግን ብዛዕባ’ቲ ቀዳም ዝነበረ ክስተት’ዩ ጀሚሩ።
ትራምፕ ነቲ ኣብ እዋን መደረ ዘጓነፎ ትርኢት ደጊሙ ክጸዊ እንከሎ“ዘርምም’ዩ! ንምዃኑ እንታይ’ዩ? እዚ ጥይት ጥራይ’ዩ ዝኸውን ኢለ ኢደይ ሃሰስ ምስ በልኩ ብደም ጠልቅዩ ረኺበዮ፡” ኢሉ።
ኣብቲ ዋዕላ እታ ኩነት ነቶም ተሳተፍቲ ኣብ ተወዳዳሪኦም ዘለዎም እምነት ከዕቢ ተራ ተጻዊቱ’ዩ። በቲ ፈተነ ዘይረዓደን ክምህ ዘይብልን ኢሎም ድማ ክገልጹዎ ቀንዮም። ትራምፕ ብወገኑ እቲ ኣብ እዋን ፈተነ-ቅትለት ዘርኣዮ ቆራጽነት ናብ ስግር-ባሕሪ’ውን ከሕልፎ ምዃኑ ቃል ኣትዩ። ንሱ ኣብ ስልጣን እንተ ዝነብር ወራር ዩክሬንን መጥቃቲ ሓማስን ኣይመጓነፈን በሃላይ’ዩ።
“ተኽእሎታት ኲናት ኣብ ታይዋን፡ ኮርያ፡ ፊሊፕነስን ካልእ ወገናት ኤስያን የንጸላሉ ኣሎ። ዓለምና ናብ ድርኵኺት ሳልሳይ ኲናት ዓለም ተምርሕ ኣላ። ብሰንኪ ዘሎ ኣጽዋር ድማ እዚ ኲናት’ዚ ከምቲ ዝቐደመ ኣይክኸውንን’ዩ፡”
ትራምፕ ነቲ መደረ ሰሙናት ኣቐዲሙ ዘዳለዎ እኳ እንተዀነ፡ ድሕሪ ዘጋጠሞ ፈተነ ቅትለት ግን ገለ ምትዕርራያት ገይሩሉ’ዩ። ዝያዳ ድማ ናብ ሃይማኖት ዝተጸግዐ ቃና ኣስሚዑ። “ኣብ ቅድሜኹም ዘለኹ ብሳላ ሓይሊ ኣምላኽ’የ፡” ኢሉ።
ትራምፕ ብዝቐረበሉ 34 ክስታት ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ’ዩ። እንተዀነ ምምሕዳር ባይደን ንክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ፖለቲካዊ መሳርሒ ገይሩዎ ኢሉ ይኸሶ። ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ኣመሪካ ዝርአ ዝበሎ ዝቕባበን ምውሳኽ ገበናት’ውን ትራምፕ ንምምሕዳር ባይደን ተሓታቲ ይገብር። ብዘይ-ሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኣብ ምውሳኽ ገበን ዓቢ ተራ ኣለዎም ኢሉ ይኣምን። “ናብ ሃገርና ሰባት ክመጽኡ ንደሊ ኢና፡ እንተዀነ ብሕጋዊ መንገዲ ክዀኑ ኣለዎም፡” ድማ ይብል።
ቀጺሎም ናብ መድረኽ ዝደየቡ በዓልቲቤት ትራምፕ ሚለን ትራምፕን ኣብዚ ዋዕላ ከም ምኽትሉ ዝመረጾ ጀይ ዲ ቫንስን’ዮም።
በዓልቲቤት ትራምፕን ምኽትሉ ዝተሓርየ ቫንስን ጸዓዱ ኣመሪካውያን ዘይምዃነን ንብዙሕነት እቲ ሰልፊ ሓድሽ ምስሊ ሂቡ ኣሎ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ቴክሳስ እትምህር ሻኖን ኦብሬን ድማ ምስቲ ኣብ ቅልውላው ኣሎ ዝበለቶ ሰልፊ ደሞክራሲውያን ተነጻጺሩ፡ ርፓብሊካውያን ብዙሕነት ዘለዎምን ስጡማትን ምዃኖም ትምጕት።
ኣብቲ ዋዕላ ብዝተራእየ ሓያል ስምዒትን ነድሪ፡ ትራምፕ ክሳብ ክንድቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ንሓድነት ዝጽውዕ መደረ ኣየስምዐን ዝብሉ ተንተንቲ ኣለዉ። ካልኦት ተወከልቲ ግን ምስቲ ሓሳብ ኣየሰማምዑን። መብዛሕትኦም ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ተወከልቲ እቲ ዋዕላ እኳ ደኣ ኣብቲ ጉባኤ ብዝተራእየ ሓድነትን ስምረትን ትራምፕን ቫንስን ናብ ዋይት-ሃውስ ምምጻኦም ብምእትእምማን ይዛረቡ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ቅጥዒ