ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋዕላ ሪፖብሊካውያን: ዶናልድ ትራምፕ ብወግዒ ሕፁይ ፓርቶም ክኾኑ ትጽቢት ኣሎ


ሎማዕንቲ ኣብ ክሊቭላንድ ዝተኸፍተ ናይ ሪፓብሊካዊያን ዋዕላ ኣብ መወዳእታ እዚ ሕዚናዮ ዘለና ሰሙን ንዶናልድ ትራምፕ ፕሬዝዳንታዊ ሕፁይ ፓርቶም ንክኾኑ ብወግዒ ክመፅርፁዎም እዮም።

ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኦሃዮ ከተማ ክሊቭላንድ ሎማዕንቲ ሰኒ ዝተኸፍተ ዋዕላ ሪፓብሊካዊ ፓርቲ ኣብ ሃገራዊ ፀጥታን ኢሚግሬሽን ዘተኮረ እዩ።ኣቢ ዋዕላ መደረ ዘስምዑ ናይ ቀደም ናይ ቴክሳስ ኣማሓዳር ሪክ ፔሪ፣ኣደ ሓደ ኣብ ቤንጋዚ ሊብያ ዝተቐትለ ኣሜሪካዊ፣ናይ ቀደም ናይ ኒው ዮርክ ከንቲባ ሩዲ ጂዩሊያኒን ብዓልቲ ቤት ትራምፕ መላኒያን ይርከቡዎም።

ምስ CBS 60 ደቓይቕ ዝተብሃለ ፕሮግራም ትማሊ ሰንበት ምሸት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ትራምፕ ብዛዕባ ኩነታት ዓለም ንዝቐረበሎም ሕቶ መሊሶም።ኣብ ልዕሊ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማን ሕፅይቲ ዴሞክራስያዊ ፓርቲ ሂላሪ ክልንቴንን ዘቕንዐ ነቐፌታ ኣቕሪቦም ኣለው።

ፅንዓት የድልየና እዩ ዝበሉ ዶናልድ ‘’ኦባማ ድኹም፣ሂላሪ ድኽምቲ ሕግን ስርዓትን የድልየናሎ፤ፅኑዕ ዶባት ንደሊ ኢና’’ ኢሎም።

ትራምፕ ኣብ ዶብ ዩናይትድ ስቴትስን ሜክሲኮን ሓፁር ክስራሕ ኣለዎ፤ሙስሊማት እውን ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ከይኣትው ክኽልከሉ ኣለዎም ኢሎም ነይሮም።ኣብ ናይ ትማሊ ቃለ ምልልሶም ግን ሙሲልም ይትኣገዱ ዝብል መርገፂኦም ኣለስሊሶም ኣለው።

ካብ ተነሲ ናብ ክሊቭላንድ ዝተጉዓዘት ደጋፊት ትራምፕ ጆሃና ቡውሌን ንትራምፕ ዘይድግፉ ሓቀኛ ዓቃባዊያን ኣይኮኑን ትብል።

ኮድ ፒንክ ንዝተብሃለ ጉጅለ ካብ ዝመስረቱ ሓንቲ መዲያ ቤንጃሚን ብምኽንያት ዘርኣዊ መደረታቶምን የሕልፍዎ ዝነበሩ ፅልኣትን ንምቅዋም ናብ ክልቪላንድ ከምዝመፀት ትዛረብ።

ትራምፕ ዝቕፅል ሓሙስ ህፁይ ሪፓብሊክ ብምዃን ብወግዒ ክቕበሉ እዮም።

XS
SM
MD
LG