ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጸብጻብ ፈላሚ ርክብ ርፓብሊካውያን ኣብ ሚልዋኪ


ዶናልድ ትራምፕ ምስ ምክልትሉ ዲ ቫንስ ኣብ ዋዕላ ሪፖብሊካን ሚልዋኪ
ዶናልድ ትራምፕ ምስ ምክልትሉ ዲ ቫንስ ኣብ ዋዕላ ሪፖብሊካን ሚልዋኪ

ቀዳም ፈተነ ቅትለት ዘጋጠሞም ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብቲ ሰኑይ ዝጀመረ ዋዕላ ርፓብሊካውያን ናይ ሚልዋኪ ዊስኮንሲን ብዓቢ ዓጀባ’ዩ ተኣንጊዱ።

ድሕሪ ናይ ቀዳም ፈተነ ቅትለት፡ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ህዝቢ ክቐርብ ፈለማኡ’ዩ። ኣፉ ክኸፍት ኣየድልዮን’ዩ። ደገፍቱን ወኪላት ርፓብሊካውያንን ነቲ ኣዳራሽ ብነጎዳ ጣቕዒት ከንጎድጉዱዎ ይርኣዩ። መብዛሕትኦም ነታ ኣብ እዋን ማህረምቱ ዝተዛረባ -- “ቃልኹም ቀጽሉ” እትብል ቃል’ዮም ዝደግሙ።

ካብዚ ናይ ሚልዋኪ ካልእ ዝዓበየ ዜና፡ ትራምፕ ንጀይ ዲ ቫንስ ምኽትሉ ገይሩ ከም ዝመረጾ ወግዓዊ ምግባሩ’ዩ። እዚ ዜና ዳርጋ ንምሉእ ዓመት ምስጢር ኰይኑ ንብዙሓት ኣብ ግምታት ከእትዉዎም ዝጸንሐ’ዩ።

ኣባል ሰነት ክፍለ-ሃገር ኦሃዮ ዝዀነ ቫንስ ወዲ 39 ዓመት’ዩ። ኣብ ርሑቕ ገጠራት ኦሃዮ ንዝርአ ሕሱም ድኽነት እትገልጽ “ሂሊቢሊ ኢለጂይ” እትብል መጽሓፍ ኣቐዲሙ ብምሕታሙ ህቡብነት ዝረኸበ ቫንስ፡ ኣባል ሰራዊት ኣመሪካ ኰይኑ ዘገልገለ ዓቃባዊ መርገጺ ዘለዎ’ዩ። እንተዀነ ኣቐዲሙ’ውን ንዶናልድ ትራምፕ “ናይ ኣመሪካ ሂትለር” ኢሉ ጸዊዑዎ ነይሩ’ዩ።

ትራምፕ ንምኽትሉ ወግዓዊ ዝገበረ ኣብቲ 2,400 ተወከልቲ በበይኑ ክፍለ-ሃገራት ዝትረኽቡሉ ዋዕላ ሚልዋኪ’ዩ። ካብቲ መእከቢ ኣዳራሽ ርሕቕ ኢሎም ንፖሊስታት ዶናልድ ትራምፕ ዝቃወሙ ተሰለፍቲ ይርኣዩ።

ጆን ሚለር ነባሪ ከተማ ሚልዋኪ’ዩ።“ኣብዚ ምርጫ ክልተ ተወዳደርቲ ከም ዘለዉ ከነዘኻኽሮም ኢልና ኢና። እቲ ሓደ ብ34 ክስታት ገበነኛ ዝተባህለ ምዃኑ’ዩ፡” ይብል።

ንደገፍቲ ትራምፕ ግን ንቫንስ ምኽትሉ ገይሩ ድሕሪ ምምራጹ ተቐባልነቱ መሊሱ ዝዓበየ ይመስል። ማክይል ለውለር ካብ ክፍለ-ሃገር ኒው-ዮርክ ዝመጽአ ተወካሊ’ዩ።

“እቲ ጉዳይ ብዛዕባ ሕሉፍ ኣይኰነን። እቲ ሕቶ ብዛዕባ መጻኢን ነዛ ሃገርን ህዝቢን ብኸመይ ኣቢልና ንቕድሚት ንደፍእ ዝብል’ዩ።”

ኣብ ሚልዋኪ ተጋቢኦም ዘለዉ ርፓብሊካውያን ንሓድነት ይጽውዑ ኣለዉ። ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ እዚ ዋዕላ ንዶናልድ ትራምፕ ምስ ምኽትሉ ቫንስ ወግዓውያን ተወዳደርቲ እቲ ሰልፊ ገይሮሞ ድምጾም ሂቦም ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG