ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምውሳኽ መጠን ማይ ትሕቲ-መሬት ሊብያ ኣብ ነበርቲ ስግኣት ይፈጥር


ምውሳኽ መጠን ማይ ትሕቲ መሬት ሊብያን ምዕልቕላቕ ከተማ ዚልታን ኣብ ነበርቲ ስግኣት ምፍጣሩ ተገሊጹ። ነበርቲ ካብ ክስዕብ ዝኽእል ምሽርሻር መሬትን ዕንወት ትሕተ-ቅርጻን ብምስጋእ ካብቲ ከባቢ ክወጹ ከምዝጀመሩን ፀብፃብ ሮይተርስ ይሕብር።

ሰራሕተኛታት ምክልኻል ሓደጋ ማይ እናመጠጡ ንምፍሳስ እንተፈተኑ እውን ኣብ ምሽርሻር መሬትን መሰረተ ልምዓትን ብዙሕ ለውጢ የምፅእ ከምዘየለ ይግለፅ።

ሓደ ሰራሕተኛ ኩባኒያ ማይ በብመዓልቱ ዓሰርተታት መካይን ብምውፋር ኣማእቲ ኣሽሓት ጋሎናት ማይ እናመጠጣ የፍስሳ ኣለዋ ይብል። ህንጻታት ከይፈርሱ'ውን ስግኣት ከምዘሎ ይሕብር።

ክኢላ ስነ መሬት ኣል፡ሓዲ ሸመላ ምዕልቕላቕ ማይ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ከምዝፀንሐ ይገልፅ። ናይቲ ፀገም ምንጪ ረሳሕ ማይ ዝኸደሉ ቱቦ ዘይምህላው፣ ዝናብ፣ ምእራግን ምዕናውን መሰረተ ልምዓት እዮም። ሸመላ ኣብ ዝቕፅል ዓሰርተ ዓመታት እቲ ማይ ብዓሰርተ ዕፅፊ ከምዝውስኽ እውን የጠንቅቕ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG