ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ሕጂውን ኣብ ሰሌዳ መዳልያታት ኦሎምፒክ ትመርሕ


ውድድራት ኦሎምፒክስ ሪዮ ብራዚል፣ ሽዱሽተ መዓልታት ኣቁጺሩ’ሎ። ኣብ ጁዶ፡ ጎስጢ፣ ሓመሳ፣ ተኹሲ፣ ጅምናስቲክ፣ ጎልፍ፣ ባድሚንተን፣ ሜዳን ጠረጴዛን ቴኒስ፣ ኩዕሶ ሰኽዔት፣ ኩዕሶ መርበብ፣ ብሽክለታ፣ ሆክይን ካልኦትን ገሊኦም ተዛዚሞም፣ ገሊኦም ኣብ ምዝዛም ይርከቡ።

ኣሜሪካ ኣብ ሰደቃ ሜዳልያታት ትመርሕ ኣላ። ካብ ጽባሕ ዓርቢ ጀሚሩ፣ አዐይንትና ናብ ትራክን ፊልድን (ጉያ) ከማዓድዋ’የን።

መጻረዪ ውድድራት ኣብ 800 ሜትሮ ናይ ደቂ ተባዕትዮ፣ ሚእቲ ሜትሮ ናይ ደቂ ኣነስትዮ መጻረዪ፣ 1,500 ሜትሮ ደቂ ኣነስትዮ መጻረዪ፣ 400 ሜትሮ ደቂ ኣነስትዮ መጻረዪ፣ ልዕሊ ኩሉ ድማ ዓሰርተ ሽሕ ደቂ ኣነስትዮ ንሜዳልያ መን ወሰደ ዝካየደላ ዕለት’ያ ጽባሕ ዓርቢ። ኢትዮጵያዊት ኣልማዝ ኣያና ክትዕወት’ያ ዝብል ዓብዪ ትጽቢት ኣሎ።

ቀዳም ኢትዮጵያዊያንን ኤርትራዊያንን ዝሳተፋሉ ናይ 3 ሽሕ ውድድር መሰናክል፣ ሶኒ መጻረዪ ውድድራት 5 ሽሕ ብናይ ደቂ ኣነስትዮ ክካየድ’ዩ።

ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ ብደቂ ተባዕትዮ፣ 3 ሽሕ ሜትሮ መሰናልን ኣብ ማራቶን ደቂ ኣነስትዮን ዝሳተፉ ኣትሌታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ሪዮ ብራዚል ኣትዮም ኣለው።

ብካልእ ዜና ኦሎምፒክስ፣ ኣባል ጋንታ ስደተኛታት ናብ ውድድራት ኦሎምፒክስ ራሚ ኣኒስ፣ ሕልሙ ጋህዲ ከምዝገበረ ተፈሊጡ።

ንሱ ኣብ ሚእቲ ሜትሮ ሓመሳ ተሳቲፉ፣ ካብ 59 ተወዳደርቲ መበል 56 ተሰሪዑ’ሎ። እንተኾነ ዓሚ ካብ ሃገሩ ሶርያ ተሰዲዱ፣ ብባሕሪ ሜድትራንያን ሰጊሩ ንሽዱሽተ ሃገራት ንዘቛረጸ ኣትሌት፣ ኣብ መድረኻት ኦሎምፒክ ምስታፉ ዓብዪ ነገር’ዩ።

ኣኒስ ሎሚ ኣብ ጀርመን’ዩ ዝነብር። ‘ኣብ መድረኻት ኦሎምፒክ ምስታፍ ዓብዪ ነገር’ዩ። ኣብ ሕልሚ ዓለም ዝነብረሉ ጊዜ ኣብቂዑ’ዩ’ በለ ንሱ።

ዓሰርተ ኣባላት ዝሓዘት ጋንታ ስደተኛታት ናብ ኦሎምፒክ ካብ ኣፍቀርቲ ስፖርት፣ ሓያል ደገፍን ኣብ እዋን ውድድር ጣቅዒትን ዕልልታን ከምዝልገሰላ’ውን እቲ ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG