ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድድራት ኦሎምፒክስ 2016 ጽባሕ ዓርቢ ክኽፈት'ዩ


መበል 31 ውድድራት ኦሎምፒክ ኣብ ሪዮ ብራዚል ፅባሕ ዓርቢ ብድምቀት ክኽፈት’ዩ።

ሽግ ኦሎምፒክ ብጀልባ ኣቢሉ ኣብ ሪዮ ዲ ጂነሮ ኣትይ’ሎ። እንተኾነ ተቃወምቲ ኣብ መንገዲ ስለዘጋጠሙ፣ ሽግ ኦሎምፒክ ኣንፈቱ ንክቅይር ተገዲዱ’ዩ።

እዚ ጥራሕ ግና ኣይኮነን ናይ ሎም-ዘበን ውድድራት ኦሎምፒክ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ምስሕሓብ። ኣትሌታት ሩስያ ሓይሊ ወሳኺ መድሓኒት ተጠቂሞም ተባሂሎም ስለዝተኸሰሱ፣ ኩሎም ኣትሌታታ ካብ ውድድራት ኦሎምፒክ ተኣጊዶም’ለው።

ብዘይካ’ዚ ስግኣት ዚካ’ውን ተወሲኹዎ’ሎ ናይ ሎም-ዘበን ኦሎምፒክ። ጣንጡ ዝመበገሲኡ ሕማም ዚካ ኣብ ብራዚል 1,700 ፀገም ዘለዎም ህፃናት ተወሊዶም’ለው።

ኣብ ናይ ሎም-ዘበን ውድድራት ኦሎምፒክ 11 ሽሕ ኣትለታት ከምዝወዳደሩ ዝመፀና ዜና ይሕብር።

XS
SM
MD
LG