ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ኢትዮጵያ ውዕል ሰላም እንተተገብረ'ኳ ምርመራታት መግሃስቲ ክቅጽል ኣለዎ' ኪኢላታት ሕ/ሃ


ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ሕሱም ኲናት ኸብቅዕ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም እቲ ኣብኡ ተፈጺሙ ዝበሃል ገበናት ኲናትን ገበናት ጸረ ሰብኣዉነትን ዝግበር ምርመራ ደው ዘብለሉ ምኽንያት የለን ክብሉ ብሕቡራት ሃገራት ዝተደገፉ መርመርቲ ኣፍሊጦም።

እቲ ኣብ ሕዳር 2022 ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ተዋጋእቲ ክልል ትግራይን ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ኣድላይ ስጉምቲ እዩ ክብሉ መራሒ እቲ ብሕቡራት መንግስታት ዝተደገፈ ኮሚሽን ኪኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ መሃመድ ቻንደ ኦትማን ተዛሪቦም።

ንቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣድላይነት ምርምራ እቲ ቅድምን ድሕርን እቲ ስምምዕ ሰላም ተፈጺሙ ዝበሃል መግሃስቲ ዘላቂ ሰላም ምስ ምሉእ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ንምፍጣር ኣድላይ እዩ ክብሉ ኣስሚሮምሉ እለዉ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ፈላማይ ጸብጻቡ እቲ ኲናት ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝውላዕ ንደሓር ብኹሎም ወገናት ሰፉሕ መግሃስቲ ተፈጺሙ እዩ ኢሉ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱ ኤርትራን ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ገበናት ኲናትን ገበነት ጸረ ስብኣዉነትን ኢድ ኣለዎም ኢልካ ንምእማን ምኽንያት ኣሎ ክብል እዉን ኣጠንቂቁ።

እቲ ሰለስተ ሰባት ዝሓቆፈ ጉጅለ በቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መወዳእታ 2021 ቆይሙ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መስከረም'ዉን ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክቕጽል ተወሲኑ። እንተኾነ ኢትዮጵያ እቲ መርመራ ኽቋ`ረጽ ምድላያ ሓያለ ዲፕሎማትን ኣምስት ኢንተርናሽናል ሓዊሱ ጉጅለታት ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን ስክፍተኦም ኣስሚዖም እዮም። እንተኾነ ግን እቲ ሓሳብ ንቅድሚት ንኽደፍእ ኢትዮጵያ ካብቶም 47 ኣባል መንግስታት እቲ ቤት ምኽሪ እኹል ደገፍ ክትረክብ የድልያ። ሃገራት ረቂቅ ውሳነታት ናብ ምሃብ ድምጺ ክሳብ ሓሙስ ክቅርባ ኣለወን።

XS
SM
MD
LG