ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንዘላቂ ሰላም ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ግህስት ክምርመር ኣለዎ ክብሉ ክኢላታት ሕ/ሃ ኣጠንቂቖም


ንዘላቂ ሰላም ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ግህስት ክምርመር ኣለዎ ክብሉ ክኢላታት ሕ/ሃ ኣጠንቂቖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:27 0:00

ንዘላቂ ሰላም ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ግህስት ክምርመር ኣለዎ ክብሉ ክኢላታት ሕ/ሃ ኣጠንቂቖም

ኪኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ እዋን’ቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ዝተፈፀመ ግህሰት ከይተመርመረን ፈፀምቱ ኸኣ ተሓተቲ ከይኾኑን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ሰላም ዘላቂ ኣይክኸውንን’ዩ ክብሉ ኣጠንቂቆም።

ኣባል’ቲ ኮሚሽን ስተቨን ራትነር ፈፀምቲ ገበን ናብ ፍትሒ ዘቅርብን ንግዳያት ኸኣ ዝኽሕስን ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ዝመረፆ ዝኾነ ዓይነት ኣገባብ ስግግር ፍትሒ ከምዝደግፉ ገሊጾም።

እቲ ሰለስተ ኣባላት ዘለዉዎ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለምለኸ ኮሚሽን ኪኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ብሰሉስ ኣብ ጀኔቫ ዳሕረዋይ ፀብፃቡ ናብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣቅሪቡ ኔሩ።

ኣብ ጄነቫ ወኪል ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ፅጋብ ከበበው ብወገኖም እቲ ኮሚሽን ነቲ ስምምዕ ሰላም ከሽርሽር ዝኽእል ተኳታዅ ሓበሬታ ካብ ምጥቃም ክቁጠብ ኣጠንቂቆም ፡ መንግስቶም ንኹሉ ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላት ክምርመርን ግዳያት ኸኣ ካሕሳ ክረኽቡን ፅኑዕ መርገፂ ኣለዎ ኢሎም’ለዉ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዳንኤል በቀለ ብወገኖም ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ኣብ ኢትዮጵያ ግዳያት ማእኸል ዝገበረ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ናይ ብሓቂ ሰብኣዊ መሰላት ክትግበር ክሕግዙ ፀዊዕም’ለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG