ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ሪይክ ማቻር ንልዝብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

South Sudan's rebel leader Riek Machar speaks to rebel General Peter Gatdet Yaka (not seen) in a rebel controlled territory in Jonglei State, Feb. 1, 2014.
South Sudan's rebel leader Riek Machar speaks to rebel General Peter Gatdet Yaka (not seen) in a rebel controlled territory in Jonglei State, Feb. 1, 2014.
መራሒ ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ሪክ ማቻር ምስ ፕሬዝዳንት ደቡብ ሱዳን ፈላማይ ቀጥታዊ ዝርርብ ንምክያድ ኣማሲዮም ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ምንጭታት ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጦም።

ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ድማ ፅባሕ ዓርቢ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣትው እዞም ምንጭታት እዚኦም ኣረጋጊፆም ኣለው።

ክልቲኦም መራሕቲ ፅባሕ ዓርቢ ንዝጅምርዎ ፈላማይ ናይ ገፅ ንገፅ ልዝብ ሰላም ዝመርሑዎ ናይ እዋኑ ናይ ኢጋድ ኣቦመንበር ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ምዃኖም ተገሊፁ’ሎ።

ናይቶም መራሕቲ ቀጥታዊ ልዝብ ኣብታ ሃገር ነጊሱ ዘሎ ህውከትን ምፍሳስ ደምን ጠጠው ንምባል ከምዝሕግዝ ኢጋድ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ Amnesty International ዝተብሃለ ዓለምለኸ ተሓላቒ ጉጅለ ሰብኣዊ መሰላት ብዝተኻየደ ሓድሽ ምርመራ ክልቲኦም ወገናት ብገበናት ኵናትን ኣንፃር ሰብኣዊነት ብዝፍፀሙ ገበናትን ከሕትት ዘኽእል ‘’ዘስቅቕ ገበናት’’ ኣብ ደቡብ ሱዳን ፈፂሞም ክብል ሎማዕንቲ ሓሙስ ገሊፁ።
XS
SM
MD
LG