ናይ 2015 UCI ዘካየዶ ዓለም-ለኻዊ ሻምፒዮና ውድድር ቅድድም ብሽክለታ አብዚ ወርሒ’ ዚ አብ ከተማ ሪችሞንድ ክፍለ -ግዝ ኣት ቨርጂንያ ክካየድ ዩ። አብቲ ውድድር ካብ ልዕሊ 70 ሃገራት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 1000 ተወዳደርቲ ክሳተፉ ዮም።
Paul Shanks ናይታ አዋሃሃዲት ኮሚቴ ዳይሪክተር ኮሚኒኬሽን አብዚ ካብ 19 ናብ27 ናይዚ ወርሒ’ ዚ ን 9 መዓልታት ዝካየድ ውድድር 450,000 ዝከውን ህዝቢ ክሳተፍ እዩ ይብል። ኤርትራ ሓንቲ ካብ`ተን ኣብ`ቲ ውድድር ጋንታታት ዘሳትፋ ዘለዋ ሃገራት`ያ።
ምስ Paul Shanks ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።