ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህይወት ኣመሪካዊ መምህር ኣብ ትግራይ


ደግለስ ምስ ባዓልቲ ቤቱ
ደግለስ ምስ ባዓልቲ ቤቱ
ቅድሚ 11 ዓማውቲ መሬት ትግራይ ዝረገፀ Richard Douglas Merrick ኣብዚ ሐዚ ቋንቋ ትግርይኛ መሊኹ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገደስቲ ሓሳባት ብምውሳድ ናብ ትግርይኛ ይትርጉም’ሎ፡፡

ዳግላስ ናብ ትግራይ ዝመፀሉ ቀንዲ ዋኒን ቋንቋ እንግሊዝይኛ ብናፃ ኣገልግሎት ንምምሃር ምንባሩ ገሊፁ፤ ብድሕሪኡ ወለዲ ዘይብሎም ኣብ ዝሕብሕብ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ “ማሕበር ሕውነት ደቂሰብ” መተባብዒ ትምህርታዊ ኣገልግሎት ይህብ ነበረ፡፡

ዳግላስ ኣብቲ ማሕበር ምስ ሓንቲ ጎርዞ ተላልዩ ርክቦም ቀፂሉ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሓዳር መስሪቶም ቆልዓ ወሊዶም ኣብ መቐለ ዓዲ ሓውሲ ይነብሩ ኣለዉ፡፡ ዳግላስ እጀ-ጠባብን ነፀላን ለቢሱ ሃይማኖታውን ሃገራውን ባዓላት ብዝግባእ ድምቀት የብዕል፡፡ ምስ ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ሰባትን ምስ ዓዲሕማኡን ብትግርይኛ ብቀሊሉ ተረዳዲኡ ንምንባር ኣይተፀገመን፡፡

“ኢትዮጵያ ካብ ኣመሪካ ካብ ትሕሸሎም ነገራት ሓደ ኢትዮጵያ ንናብራ ዝጥዕም ኩነታት ንፋስ ኣለዋ፤ ኣብ ደቡባዊ ኣመሪካ ኣብ መንጎ ቴክሳስን ሚሲሲፒ ዝርከብ ሉዛንያ ዝተባሃለ ከባቢ ጠሊን ራሕስን ዘለዎ እዩ” ይብል፡፡ ኣብዚ ብዘይካ ክረምታዊ ወቕቲ ደረቃማ ኩነታት ኣየር ንረክብ ኢና፤ ኮይኑ ግና ዝናብ ንደሊ ኢና” ይብል፡፡

ዳግላስ ቅድሚ ናብ ኢትዮጵያ ምምፅኡ እውን ኣብቲ ዓዲ ንዝርከቡ ፅጉማት ሰባት ብምትብባዕ፣ ቀለብን ክዳውንትን ክረኽቡ ይሕግዝ ምንባሩ እዩ ዝገልፅ፡፡
ንቃለ-ምልልስ ምስ ሪቸርድ ዳግለስ ኣዳምፁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:28 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG