ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ መዝነቶም ይወርዱ ዘለው ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ መፋነዊ መደረ ኣስሚዖም


ካብ መዝነቶም ይወርዱ ዘለው ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሬክስ ቲለርሰን ንሰራሕተኛታት እቲ ቤት ፅሕፈት ትማሊ ሓሙስ ናይ መፋነዊ መደረ ኣስሚዖም።ንሶም 31 መጋቢት 2018 ካብ ስርሖም ክሰናበቱ ምኳኖም ተፈሊጡ።ካብ ናይ ኣፍሪቃ መገሽኦም ምስተመለሱ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ቲለርሰን ብናይ CIA ዳይረክተር ማይክ ፖምፒዮ ከምዝትክኡዎምን 13 መጋቢት 2018 ሰዓታት ቕድሚ ቐትሪ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ቲዊተር መልእኽቶም ገሊጾም።ቲለርሰን ኣብ ናይ ትማሊ መደርኦም ሽም ፕረዚደንት ትራምፕ ኣይጠቐሱን።

ቲለርሰን ሰራሕተኛታት ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ዲፕሎማሲ ሃገሮም ክዕወት ንዘበርከቱዎ ኣበርኽቶ ኣመስጊኖም።

“ካብ ክፍሊ ደብዳበ ጀሚሩ ክሳብ ሻውዓይ ደርቢ ዘለኹም ኩላትኩም፣ብዘይ ናትኩም መዓልታዊ ኣበርኽቶ ዋላ ሓደ ዝክኣል ነገር የለን።”

ዋና ፈፃሚ ስራሕ Exxon ዝነበሩ ቲለርሰን ንኣገዳስነት ስብእናን ቅንዕናን ኣስሚሮምሉ ኣለው።

“ዘለካ ምርጫ ወይ ጠንጢንካ ትገድፎ ወይ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣትው ክትፈቅድ ጥራሕ እዩ።ሓደ ግዜ እንተቐቢፅካዮ መሊስካ ኣይክትረኽቦን ኢኻ።ከም ኣዚዩ ክባር ሃብትኹም ሓልውዎ።”

እቲ ኣበሃህላ ብውልቂ ይኹን ኣብ ህዝባዊ ሓላፍነት ዘተሓታት ስብእና ንዘለዎም ልሂቃን ከም ዓብዪ ውቅዒት ተገይሩ ብብዙሓት ተራኢዩ’ሎ።

ምኽትሎም ስቲቭ ጎልድስተይን ቲለርሰን ብናይ ትራምፕ ቲዊተር እዮም ካብ ስልጣኖም ተባሪሮም ክብሉ ተዛሪቦም።ዋይት ሃውስ ግን ቅድም ኢሉ ብናይ ትራምፕ ዋና ፀሓፊ ጆን ኬሊ ከምዝተነግሮም ገሊፁ።ጎልድስተይን ምስ ዋይት ሃውስ ዝፃባእ መግለፂ ብምሃቦም ሽዑ ንሽዑ ተባሪሮም።

ቲለርሰን ዲፕሎማሰኛታትን ካልኦትን ነንሕድሕዶም ክከባበሩ ተማሕፂኖም ኣለው።

ቲለርሰን ትማሊ ሓሙስ ንዘስምዕዎ መደረ ፕረዚደንት ትራምፕ ርእይቶ ኣይሃብሉን። ፕረ. ትራምፕ ንቲልርሰን ካብ መዝነቶም ምስ ኣበረሩዎም ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ኣብዝሃብዎ ርእይቶ ግን ምስ ማይክ ፖምፓዮ ዝሓሸ ምርድዳእ ከምዘለዎም ገሊፆም ነይሮም።

ወሃቢት ቃል ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ሃዘር ናውረት ቲለርሰን ንሃገሮም ብምግልጋሎም ኣመስጊነንኦም።

“ስድራኻ ገዲፍካ፣ፅቡቕ ስራሕኻ፣ደቂ ደቅኻን ዝብሃግ ዓብዪ ናይ ማሕረስን ከፍቲ መራብሕን ቦታ ክትገድፍ ከቢድ እዩ።ዝኸፈሉዎም መስዋእቲ ማዕረ ክንደይ ከምዝኾነ ዘርኢ እዩ።”

ቲለርሰን ኣብ ናይ ሓደ ዓመት ናይ ስልጣን እዋኖም ኣብ 38 ሃገራት በፂሖምን 90 መዓልታት ኣብ ጉዕዞ ኣሕሊፎምን እዮም።



XS
SM
MD
LG