ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ፡ካብ ስደት ተመላሶ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ስደት እንታይ ይብሉ?


መንእሰይ ገረዝግሄር  ገብረገርግስ
መንእሰይ ገረዝግሄር  ገብረገርግስ

ኣብ ትግራይ ጉዕዞ ዘይሕጋዊ ስደት መናእሰይ ብብዝሒ ይረአ አሎ፡፡ ብፍላይ ኣብ ዝተወሰና ወረዳታት ማዓልታዊ ዋኒን መናእሰይ አዩ ጉዕዞ ዘይሕጋዊ ስደት ፡፡ ብመሰረት ካብ ዝምልከቶ ቢሮ ዝረኸብክዎ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትርከብ ወረዳ ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባ በዚ ትልለ ወረዳ እያ፡፡

ካብ ወረዳ ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባ ድማ ጣብያ ጉላ ኣበናዓ ድማ ወፍሪ ዝካየደላ ትመስል ካብ ሕድሕድ ገዛ ካብ 1­ ክሳብ 4 መናእሰይ ከምዝስደዱ ይሕበር፡፡ ኣብዚ ጣብያ ኣብ 2006 ዓ.ም ልዕሊ 4000 ኣብ 2009 ዓ.ም ድማ ልዕሊ 3000 መናእሰይ ካብ ስደት ምምላሶም ይፍለጥ፡፡ ቁጽሪ ዘይተመልሱ’ውን ካብዚ ዝጎድል ኣይኾነን፡፡ ብመሰረት እዚ ካብቲ ከባቢ ካብ ስደት ዝተመለሱ ክልተ መናእሰይ ረኪበ ኣለኩ፡፡

መንእሰይ ኣለም ካሕሳይ ካብ ከተማ ፍረወይኒ መንእሰይ ገረዝግሄር ገብረገርግስ ንክልትኦም ጉዕዝኦነ ዘጋጥሞም ፀገማትን ኣዛራሪበዮም ኣለኩም፡፡ ኣለም “ኣነ ማለት ትምህርተይ ወዲአ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ አየ ዝመሃር ነይረ፡፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ 6 ወርሒ ተማሂረ ካብኡ ዝኾነት ማሓዛይ ነይራ፡፡ ንሳ ንክቅየር ገይራትኒ ኣነ ደማ 6 ወርሒ ተማሂረ ዊዝድረው ገይረ ንኽከይድ ፈቲነ ፡፡ ካብኡ ተሳኺዑለይ ክይደ ባዕለይ ተቀይረ ስድራይ ክቅይር ከይደ፡፡ ኣብ ማሓዙተይ አየ አእሚነዮ ሓንጎላይ ኣብኡ ከይድካ ቅርሺ ቡዙሕ ከምዝርከብ ኣሚነ ከይደ፡፡ ማዓት መከራ ርኤ ተመሊሰ፡፡ ኣብ መንገዲ ህይወት ማይ ፅምኢ ክትሓልፍ ርአ ሓዚነ”ትብል፡፡

ካብ ስደት ዝተመልሱ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ስደት እንታይ ይብሉ?
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:59 0:00

መንእሰይ ገረዝጊሄር ድማ ደላላይ ቀረባ እዩ፡፡ ሰራሕ ኣሎ፡፡ ክሓልፈልካ እዩ ኢሉ ወሲዱኒ፡፡ ኣነ ግን መከራ ረኪበ፡፡ ኣብ የመን ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ዓፅዮም ቀጥቂጦሙኒ፡፡ ገንዘብ ስደድ እናበሉ ንሓወይ፡፡ ሓወይ ደማ 50 ሽሕ ዝከውን ሰዲዱሎም፡፡ ንዓይ ግን ኣካለይ ኣጉዲሎም ኣብ ጫፍ ስዑዲ ደርብዮሙኒ፡፡ ፖሊስ ስዑዲ ደማ ሓደ ወርሒ ኣሲሮም ዓደይ ሰዲዶሙኒ፡፡” ክብል ኣብ ጉዕዞ ካብ ዘጓነፎ ኣዋጊዑኒ ኣሎ፡፡

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል፡፡

ካብ ስደት ተመላሶ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ስደት እንታይ ይብሉ?
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:45 0:00

XS
SM
MD
LG