ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውጽኢት ዳግማይ ምርጫ ኬንያ ክግለጽ ጀሚሩ


ውጽኢት ዳግማይ ሃገራዊ ምርጫ ኬንያ ሎሚ ዓርቢ 27 ጥቅምቲ,2017 ዓ.ም ክግለጽ ጀሚሩ’ሎ።

ብመሰረት እዚ ውጽኢት 35 ሚእታዊት ኬንያዊያን ጥራይ ድምጾም ምሃቦም የመልኽት። ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ ኬንያ ኣስታት 80 ሚእታዊት ድምጾም ምሃቦም ይፍለጥ።

ጻዊዒት መራሒ ተቓውሞ ፓርቲ ራይላ ኦዲንጋ ውጺኢታዊ ዝኾነ ይመስል ዝብሉ ወገናት’ውን ኣይተሳእኑን።

ውጽኢት ዳግማይ ምርጫ ኬንያ ክግለጽ ጀሚሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:42 0:00

እዚ ፈላማይ ውጺኢት ዳግማይ ምርጫ ኬንያ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ነታ ብዓሌታዊ ጎነጽ ንዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ክትሕመስ ዝጸንሃት ሃገረ ኬንያ ዳግማይ ክትሓብር ተክእሎ ኣለዎም ‘ዶ ዝብል ሕቶ’ውን ኣልዒሉ’ሎ።

እቲ ትማሊ ሓሙስ 26 ጥቅምቲ,2017 ዝተኻየደ ዳግመ ምርጫ ኬንያ ኣብ መንጎ ተቓወምቲን ፖሊስን ብዝተላዕለ ግጭት ኣብ ኣርባዕተ ክፍለ ግዝኣታት እታ ሃገር እቲ ምርጫ ንጽባሕ ቀዳም 28 ቀዳም 2017 ክመሓላለፍ ምግዳዱ ይፍለጥ።

ገለ መምረጺ ኑቕጣታት’ውን ብዘይ ዝኾነ ድምጺ ወሃቢ ዜጋ ከምዝወዓሉ ተሓቢሩ’ሎ።

ራይላ ኦዲንጋ ካብቲ ዳግማይ ምርጫ ኬንያ ንገዛእ ርእሶም ምግላሎም ንኡሁሩ ኬንያታ ምሉእ ዓወት ዝህብ እዩ።

እንተኾነ እዚ ሓድሽ ምርጫ ካልእ ብድሆታት ኣለዎ፡ እዚ ማለት ድማ ኬንያ ካልእ ዳግማይ ምርጫ ከተካይድ ልዑል ተኽእሎ ዘርእይ እዩ።

XS
SM
MD
LG