ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ 6,500 ደይቡ


ቁጽሪቶም ዝሓለፈ ሰኑይ 29 ነሓሰ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ 6,500 ከምዝደየበ ተሓቢሩ።

እቲ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብኣርብዓ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒታት ዝተኻየደ ኮይኑ መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ሶማልያን ኤርትራን ዝተበገሱ ስደተኛታት ምንባሮም ድማ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ኣባላት ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ፥ ሓካይም ዶብ ኣልቦን ፍሮንተክስ ብዝተባህለ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሓለዋ ዶብ ኣብ ዝተኻየደ ዝተወሃሃደ ስርሒት፥ ስደተኛታት ብናይ ዓቕሊ ጽበታዊ ፈተነ ካብተን ተጻዒኖመን ዝነበሩ ጀላቡ ብምዝላል ናብተን ህይወት ኣድሕን መራኽብ ሓንቢሶም ክበጽሑ ብቪድዮ ተቐሪጾም ይርኣዩ።

ጸብጻብ ኣሶስየትድ ፕረስ ከምዝሓበሮ፤ እቶም ስደተኛታት ብድኹማት ናይ ዕንጸይቲ ጀላቡ ካብ ሊብያ ተበጊሶም ንማእከላይ ባሕሪ ብምስንጣቕ ናብ ኢጣልያ ይጉዓዙ ምንባሮም ይሕብር።

ተመሳሳሊ ስርሒት ኣድሕን ዝሓለፈ ሰንበት ነሓሰ ከምዝተኻየደን በቲ ስርሒት ሓደ ሽሕን ሚእትን ስደተኛታት ምድሓኖም ብተወሳኺ ተገሊጹ።

ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰተኛታት ማለት IOM ኣብዚ ዓመትዚ ጥራይ 106 ሽሕ ናብ ኢጣልያ ምብጽሖም ይጠቅስ። ካልኦት 2726 ሽሕ ግን ኣብ ባሕሪ ብዘጋጠሞም ሓደጋ ምማቶም ብተወሳኺ እቲ ውድብ ይሕብር።

ክልተ ዕሸላት ማናቱ ዝርከብዎም መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ልዕሊ 3 ሽሕ ስደተኛታት ድሒኖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:18 0:00

XS
SM
MD
LG