ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ሓደ ተማሃራይ ካብ ፖሊስ ዝወረዶ መውቓዕቲ ሞይቱ ይብሉ ሓደ ነባሪ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ከተማ ነጆ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ለይቲ ብመውቓዕቲ ፖሊስ ሓደ ተማሃራይ ሞይቱ ክብሉ ነበርቲ'ታ ከተማ ንድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣፋን ኦሮሞ ገሊጾም።

ምምሕዳር ከተማ ነጆ ግን እቲ ተማሃራይ ዝሞተ ብሕማም ምኳኑን ሆስፒታል ጠንቂ ሞት ምርግጋጹን ገሊጾም።

ነባሪ ከተማ ነጆ ዝኾኑ ኣቶ መሓመድ ሂካ ንድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣፋን ኦሮሞ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ቅድሚ ክልተ ሰሙናት ፈደራል ፖሊስን ወታሃደራት ኣግኣዚን ኣብታ ከተማ ናብ ዝርኸብ ቤት ትምህርቲ መሰናድኦ ኣትዮም ነቶም ተማሃሮ ኣኪቦም ገጾም ናብ ጸሓይ ጌሮም ኣብ መሬት ክድቅሱ ከምዝኣዘዝዎም ይገልጹ።

'ትማሃሩ ዲኹም ኣይትማሃሩን ' ኢሎም ከምዝሃረምዎምን ብሰንኪ'ዚ ተማሃሮ ንክልተ ሰሙን ትምህርቲ ከምዘይኸዱን ሸውዓተ ተማሃሮ ምእሳሮም ወሲኾም ሓቢሮም።

ዝተአሰሩ ቤት ፍርዲ ክትቐርቡ ኢኹም ተባሂሎም ኣብቲ ዝተባህለ ዕለት ምሉእ መዓልቲ ተጸብዮም ከምዘይቐረቡ'ውን ተገሊጹ'ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ክልል ኦሮሞ ሓደ ተማሃራይ ካብ ፖሊስ ዝወረዶ መወቕዓቲ ሞይቱ ይብሉ ነበርቲ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:31 0:00

XS
SM
MD
LG