ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

11 መካይን ተወለድቲ ትግራይ ካብ ዳንሻ ተፃዒኖም ኣብ ሩባ ተከዘ ከምዘብፅሑዎ ነበርቲ ገሊፆም


ኣብ ትግራይ ይካየድ ብዘሎ ግጭት ኣስታት 50,000 ሰባት ካብ ትግራይ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣብ ውሽጢ እውን ብዙሕ ስቓይን መከራን የሕልፉ ከምዘለው ሰባት ይዛረቡ።

ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብፍልይ ድማ ኣብ ከባቢታት ዳንሻን ሑመራን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ‘’ዘርኢ ናይ ምፅናት ወፍሪ’’ኢሎም ዝፀውዕዎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይወርዶም ከምዘሎ ይግለፁ። ምቕትል፣ወራር ንብረት፣ምብራዕ፣ብጅምላ ምእሳር፣ምንክልባት፣ካብቲ ከባቢ ምብራር፣ሃለዋቶም ምፍጥፋእ ከምዝሓውስ ነበርቲ ከተማ ዳንሻ ይነብሩ።

ሽማ ክግለፀላ ዘይደለየት ነባሪት ከተማ ዳንሻ ካብ ስግኣት ዝተልዓለ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣዕቒቦም ዝነበሩ ቆልዑ፣ኣዴታትን ደቂ ተባዕቲዮን እቶም ናይቲ ከተማ ኣመሓደርቲ 11 ናይ ፅዕነት መካይን ኣምፂኦም ንቶም መንግስቲ ሰራሕተኛታት ኣትሪፎም ናብ ተከዘ ሩባ ከምዝወሰዱዎም ትገልፅ።ነፍሰፁራትን ሓራሳትንሓዊሱ ህፃውንቲ ዝርከቡዎም ምስ ምዃኖም ሃለዋቶም ከምዘተሓሳስባ ሓቢራ።ነዚ ቃለ ምልልስ ምስ ሃበት ድሕሪ ክልተ ማዕልታት ናብ ሱዳን ሰጊራ ኣላ።

ንሳ ኣብ ከተማ ዳንሻ ሰለስተ ነጋዶ ከምዝተቐትሉ፣ ንብረት ከምዝዝረፍ፣ብዙሓት ሰባት ተኣሲሮም ናብ ጎንደር ከምዝተወሰዱን ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥን ትግለፅ።

ተጋደልቲ ህወሓት ንዝነበሩ ንምጥያሽ ኣብ 1987 ዓ\ም ብመንግስቲ ኣብ ዝተዳለወ ናይ እግሪ ምትካል ፕሮግራም ዝተጣየሰን ኣብ ናይ 17 ዓመት ብረታዊ ቓልሲ ህወሓትን ብምስታፍ ሓደ ኢዱ ዝሰኣነን ተጋዳላይ ነበር ን26 ዓመታት ኣብቲ ቦታ ዝነበረ እዩ።

ኩሎም ኣካለ ስንኩላን ዝኾነ ተጋደልቲ ዝተጣየሹለን ሰለስተ መንደራት ከምዘልዋ፣ንሱ ኣውሮራ ኣብ ዝተብሃለ መንደር ከምዝነብር ብምሕባር እቲ ውግእ ምስ ተጀመረ ኣብቲ ናይ ሕራሻ ማእኸላት ዝተፈፀመ ዕንወት ማእለያ የብሉን ይብል።

‘'ኣብቲ ቦታ ዘሎ ተጋዳላይ ሓደ ኢዱ ዝተቖረፀ፣ሓደ እግሩ ዝተቖረፀ፣ሓደ ኢዱወይ ሓደ እግሩ ዝለመሰ’’ እዩ በለ።

ምስ ኣርባዕተ ኣባላት ስድርኡ ፈቖዶ በረኻ ከምዝርከብ ዝገለፀ ንሱ ናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይልታትን ናይ ወልቃይት ኣምለስቲ ሚሊሺያታትን ናብቶም ጣቢያታት ኣትዮም ንዝቕተል ቀቲሎም፣ንብረት ወሪሮም ክወስዱዎ ዘይክኣሉ ድማ ብሓዊ ኣባሪዖም ብምሉኡ ኣዒኒዮምዎ ይብል።

ንሱ ዝፈልጦም ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐተሉን ካልኦት ሰልስተ ድማ ከምዝቖሰሉን ብሰለስተ ዙር ብመካይን ተኣሲሮም ናብ ጎንደር ከምዝተወሰዱን ናብ ጎንደር ዝኸደ ግን ዝተመለሰ ከምዘይፈልጥን ሓቢሩ።

እዚ ኹሉ በደል ዝተፈፀመና ብፍሉይ ሓይሊን ሚሊሽያን ክልል ኣምሓራ እዩ ዝበሉ እዞም ነበርቲ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ እናርኣዩ ከድሑኑና ኣይክኣሉን ይብሉ።ምኽትል ከንቲባ ከተማ ዳንሻ ን ኣቶ ሱልጣን ኣድማሱ ነቲ ክሲ ነፂጉዎ ኣሎ።

ካብ ክልል ኣምሕራን ካብ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ምክልኻልን ሪኢቶ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰል ኮሚሽነር ብዛዕባ ዝተብሃለ በደል ከምዘይፈልጡ ብምግላፅ ክንምርምሮ ኢና ኢሎም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቱኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG