ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ጭፍራ ዓዋሉ ሀይቲ ላዕለዎት ሰብ-መዚ መንግስቲ ንምትሓዝ ይፍትን


ነበርቲ ካብ ዋና ከተማ ይሃድሙ
ነበርቲ ካብ ዋና ከተማ ይሃድሙ

“ባርቢክዩ” ብዝብል ሳጓ ዝጽዋዕ መራሕቲ ልፍንቲ ትሽዓተ ጭፍራ ዓዋሉ ሀይቲ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሓላፊ ፖሊስ እታ ሃገርን ካልኦት ሰብ-መዚን ተታሒዞም ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ ምዃኖም ድሕሪ ምእዋጁ፡ ንርእሰ-ከተማ እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ምልውዋጥ ተዅሲ ሸሚሙ ሓዲሩ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣሬል ሀንሪ፡ ብዛዕባ ተኽእሎታት ኣውሓስቲ ሰላም ፖሊስ ንምዝርራብ ኬንያ ኣብ ዝገሸሉ እዋን’ዩ። ድሕሪ ምእዋጅ ስርሒት፡ ንመዓርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ዝሓወሰ፡ ርእሰ-ከተማ ሀይቲ ብኸቢድ ምልውዋጥ ተዅሲ ተናዊጻ ውዒላ። ብሰንኩ ድማ ትካላት ንግዲን ኣብያተ-ትምህርቲን ትማሊ ሓሙስ ተዓጽዮም ውዒሎም።

መራሒ እቲ ጭፍራ ጂሚ ቻርዜር (ባርቢክዩ) ቀዳማይ ሚኒስተር ሀንሪ ናብታ ሃገር ክምለስ ከም ዘይደልዩ ኣመልኪቱ ኣሎ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር መዓስ ከም ዝምለስ ዛጊት ኣይነጸረን።

ባርቢክዩ ንልፍንቲ ትሽዓት ጭፍራ ዓዋሉ ዝመርሕ ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብዚ ዳሕረዋይ ስርሒት ግን ድጋፍ ናይቶም 80% ርእሰ-ከተማ ፖርት-ፕሪንስ ዝቆጻጸሩ ካልኦት ጭፍራ እንተለዎ ኣይተገለጸን።

እቲ ጉጅለ ንሀይቲ ሓራ ክውጽኣ ምዃኑ’ዩ ቃል ኣትዩ'ሎ።

ድሕሪ ቅንጸላ ቀዳማይ ሚንስተር እታ ሃገር ነበር፡ ርእሰ-ከተማ ሀይቲ ካብ ቍጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ኰይኑ’ዩ። ንኬንያን ድሒራ ድማ በኒን ዝርከበን ሃገራት ድማ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተተለመ ተልእኾ ምውሓስ ጸጥታ ኣባላት ፖሊስ ክልእካ ምስምማዐን ይፍለጥ። ዛጊት ግን ኣባላት ፖሊስ ካልኦት ሃገራት ኣብ ሀይቲ ኣይኣተዉን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG