ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ነበርቲ ሓውዜን ግዳያት ኵናት ትግራይ ብጅምላ ይቐብርሉ ኣለው'ፀብፃብ ሄዘር ሞርዶክ


ኣብ ወሰን ከተማ ሓውዜን ግዳያት ኵናት ትግራይ ዓሚቕ ኣብዘይኮነ ጃምላዊ መቓብር ብእምንን ሓመድን ተደፊኖም ይርኣዩ።ገሊኦም መቓብራት ዓሰርተታት ሰባት ገሊኦም ድማ ሒደት ዝተቐብሩሎም እዮም።ንልዕሊ ሸውዓተ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ኣብ ዙሪያ እታ ከተማ ኣስታት ክልተ ምእቲ ሰባት ተቐቢሮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይእመን ትብል ጋዜጠኛ ቪኦኤ ሄዘር ሞርደክ።ኣብ ከተማ ኣክሱም ዝተዓዘበቶ እውን ኣካፊላትና ኣላ።

ሪፖርተር ቪኦኤ ሄዘር ሞርደክ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ናብ ዝርከቡ ናይ ዕዳጋ ማእኸላትን ንክልተ ሆስፒታላትን ተዓዚባላ።ኣብ ኣክሱም ዝረኸበቶም ሰባት ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ማዕልታት ሰባት ናይ ንግዲ ትካሎም ይኸፍቱን ብነፃነት ይንቀሳቐሱን ከምዝጀመሩን ሄዘር ትጋልፅ።ኣብ ጉዕዞ ብዙሓት ወታደራት ምርኣያ ኵናት ግን ከምዘይርኣየት ሓቢራ።

ኣብ ትግራይ እቲ ኵናት ድሕሪ ምጅማሩ ብዝተፈፀመ ስርቂ ሆስፒታላት ንነፍሰ ፁራት ከተኣናግዱ ብዘይምኽኣሎም ሞት ኣዴታት ብዕፅፊ ምውሳኹ ኣብ ኣክሱም ናይ ሆስፒታል ዳይረክተር ገሊፁለይ ኣሎ ትብል።ሰባት ኣብ ዝነብርሉ ከባቢ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ኣገልግሎት ጥዕና ኣይረኽቡን ከምዝበላን ፀገመ ቀረብ ምግቢ እውን ከምዘሎ እቲ ዝርካቡ እውን ዋጋ ብዕፅፊ ምውሳኹ እቲ ሜዲካር ዳይረክተር ከምዝገለፀላ ትሕብር።

እቲ ሆስፒታል ክልተ ግዜ መድሓኒቱ ክሳብ ዝፅንቀቕ ከምዝተወረረን እቲ ናይ መወዳእታ ስርቂ ዝተፈፀመ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዝተፈፀመ ብምዃኑ ክሳብ ሕዚ መድሓኒት ከምዘይተማልአን ገሊፆምለይ ኢላ መሳርሕትና ኤደን ገረመው ዘዘራረበታ ሪፖርተር ሄዘር ሞረዶክ።

ሄዘር ሞርዶክ ብዛዕባ ከተማ ሓውዜን ዝለኣኸቶ ፀብፃብ ድማ ከምዚ ይብል።

ነበርቲ ከተማ ሓውዜን ድሕሪ ዝተኻየዱ ብርክት ዝበሉ ውግኣት ኣብ ጎደናታት ወዲቖም ዝተረኸቡ ሬሳታት ዝተቐበርሉ ሓዊሱ ኣስታት 20 መቓብራት ኣለው ይብሉ።ሓውዜና ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ብዝተኻየዱ ውግኣት ሓሙሽተ ግዜ ዝኸውን ኣብ ኢዶም ተቐያይራ እያ።ሚሊሽያታትን ወታደራት ኤርትራን እውን ካብቶም ተዋጋእቲ እዮም።

ጓል 50 ዓመት ለታይ ግርማይ ሬሳታት ምቕባራ ብምግላፅ ናብ ናይ ቤተ ክርስቲያን መቓብር ተወሲዶም ዳግም ክቕበሩ ተስፋ ኣለዋ።

‘’እቶም ሬሳታት ንሸውዓተ፣ሸሞንተ ማዕልታት ተደርቢዮም ቀኒዮም’’ትብል ለታይ።’'ናብ ቤተ ክርስቲያን ንምውሳድ ዋላ ሓደ ሰብ ዝሕግዝ ኣይነበረን።ውሑዳት ኮይንና ኢና ቀቢርናዮም።ሕማቕ ጨና፣በስቢሶም ሓሲኾም’’ትብል።

ኣብ ውሽጢ ከተማ ሓውዜን ህንፃታት ዓኒዮም፣ሰባት ካብ መካይን ማይ ክቕበሉ ይርኣዩ።ዝበዝሕ መሰረተ ልምዓት ናይቲ ከባቢ ዓኒዩ እዩ።

መብዛሕቲኦም ነበርቲ ውሑሳት ናብ ዝኾና ከተማታት ናብ ካምፕታት ወይ ናብ ቤተሰቦም ወይ ናብ ኣዕርኽቶም ከይዶም እዮም።ኣስታት ክልተ ሚሊዮን ነበርቲ ክልል ትግራይ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተመዛቢሎም ይርከቡ።ልዕሊ 60,000 ሰባት ድማ ናብ ሱዳን ሃዲሞም።

ኣብታ ከተማ ዝተረፉ ሰባት ሓዱሽ ውግእ ኣብ ዝኾነ እውን ከይልዓልዓብይ ስግኣት ኣለዎም።’’ብዙሕ ደብዳብ ተፈፂሙ እዩ’’ትብል ወጥሪ ዋላ እንተሃለወ እውን ኣብ ዕዳጋ ኮሚደሮን ድንችን ትሸይጥ ንደሕንነታ ክትብል ሽማ ክግለፅ ዘይደለየት ሰበይቲ።’’ህፃውንቲ ሞቶም ኣባይቲ ዓንዮም’’በለት ወሲኻ።

መብዛሕቲኦም ሸየጥቲ ኣሕምልቲ፣ዘይቲን ከረሜላን ኣብ መሬት ዘርጊሖም ይርኣዩ፤ዝዕድግ ግን ዳርጋ የለን።’’ስራሕ የለን ግን ምሉእ ማዕልቲ ኮፍ ኢልና ንውዕል’’ ትብል እዛ ሸቐጥ ትነግድ ሰበይቲ።

ካሊእ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ወዲ 33 ዓመት ንእሽተይ መደብር ከምዝነበረቶን ቡን፣ፓስታን ሽኮርን ይሸይጥ ከምዝነበረ ብምግላፅ ከምቶም ብዙሓት ሹቓት ተሰሪቑ ባዶ ምትራፉ ይገልፅ።’’ሕዚ ዋላ ሓደ ነገር የብለይን’’ይብል።

ሃፍቶም ጊደይ ዝተብሃለ ወዲ 35 ዓመት እውን ኣብ ሓደ ናይቲ ከባቢ ሆቴል ይሰርሕ ከምዝነበረን ድሕሪ እቲ ኵናት ተሰሪቑን ዓን ዩን ኣሎ ይብል።ንሃፍቶም ዘስግኦ ድኽነት ኣይኮነን።ዝሞቱ ከምዝቐበረ ብምግላፅ ብሰንኪ ደብዳብ ብዙሕ ግዜ ካብ ገዝኡ ከምዝሃደመ ይዛረብ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ረድኤት ብምክፍፋልን ፆታዊ ዓመፅ ዝፈፀሙ ወታደራት ብምኽሳስን ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ክወፅእ ይሰርሕ ኣለኹ ይብል።መንገድታትን ኣገልግሎት ኢንተርኔትን ተዓፂዩ ኣብ ዝርከበሉ ዝበዝሕ እቲ ክልል ተበቲኹ ይርከብ።ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ልዕሊ 90 ምእታዊ ህዝቢ ትግራይ ህፁፅ ረድኤት ምግቢ የድልዮም ይብል።መብዛሕቲኦም ትካላት ጥዕና ትግራይ ተሰሪቖም ወይ ዓኒዮም እዮም።ኣማእቲ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ብወታደራት ኤርትራ፣ ሚሊሺያታት ክልል ኣምሓራን ብፌደራል ወታደራት ኢትዮጵያን ምዕማፀን ተፀብፂቡ።

መንግስቲ ንመብዛሕቲኡ እቲ ክልል ዝሓዞ እንተመሰለ እውን ውግእ ቀፂሉ ይርከብ።በብዕለቱ ኣብ ኵናት ዝቖሰሉ ናብ ሆስፒታል ይመፁ ኣለው።

ኣብ ሓውዜን ነበርቲ ሬሳታት ይቐብሩ ኣብዘለውሉ እቲ ኵናት እናቐነሰ ናይ ምኻድ ምልክት ከምዘይርኣዮም ይገልፁ።

‘’እቲ ቅትለት ቀፂሉ ኣሎ’'ትብል ለታይ።’’ኣብ ቀረባ ኣብ ጥቓ ቤተ ክርስቲያን ሸውዓተ ሬሳታት ቀቢርና’’ በለት ብምውሳኽ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::



XS
SM
MD
LG